23 ዘካርያስ እዋን ኣገልግሎቱ ምስ ፈፀመ ናብ ገዛኡ ተመለሰ።
እቶም ኣብ ኣዓዶም ዝነብሩ ዝነበሩ ኣሕዋቶም ከዓ በብተራ መፂኦም ሸሸውዓተ መዓልቲ ብምሕላው ይሕግዝዎም ነበሩ።
ናብኣቶም ናብ ደገ ወፂኡ፥ ክዛረቦም ስለ ዘይከኣለ ድማ፥ ኣብ ቤተ መቕደስ ራእይ ከም ዝረአየ ፈለጡ፤ ንሱውን በሃም ኮይኑ ብኢዱ የመልክቶም ነበረ።
ድሕሪ እተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ሰበይቱ ኤልሳቤጥ ጠነሰት እሞ፥ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ንባዕላ ሓብአት።