Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ወንጌል ሉቃስ 1:22 - መፅሓፍ ቅዱስ

22 ናብኣቶም ናብ ደገ ወፂኡ፥ ክዛረቦም ስለ ዘይከኣለ ድማ፥ ኣብ ቤተ መቕደስ ራእይ ከም ዝረአየ ፈለጡ፤ ንሱውን በሃም ኮይኑ ብኢዱ የመልክቶም ነበረ።

Ver Capítulo Copiar




ወንጌል ሉቃስ 1:22
8 Referencias Cruzadas  

ንሳቶም ዓማፂት ቤት እዮም እሞ፥ ምእንቲ ኽትዕበስን፥ ዘላፊኦም ከይትኸውንስ፥ ልሳንካ ኣብ ታሕናግካ ኸጣብቕ እየ።


እቶም ህዝቢ ግና ንዘካርያስ ይፅበይዎ ነበሩ፤ በቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ምድንጓዩውን ተገረሙ።


ዘካርያስ እዋን ኣገልግሎቱ ምስ ፈፀመ ናብ ገዛኡ ተመለሰ።


ነቦኡ ድማ ስሙ መን ክበሃል ከም ዝደሊ፥ እናመልከቱ ጠየቕዎ።


ስምኦን ጴጥሮስ “ንእኡ ብዛዕባ መን እዩ ዝዛረብ ዘሎ፥ እስኪ ጠይቆ? ኢሉ ጠቐሶ።”


ንሱ ግና ስቕ ክብሉ ብኢዱ ኣመልከቶም፤ እግዚኣብሄር ካብ ቤት ማእሰርቲ ኸመይ ገይሩ ኸም ዘውፅኦ ነገሮም እሞ፥ “ነዝ ነገርዙይ ንያእቆብን፥ ነቶም ኣሕዋትን ንገርዎም” በሎም፤ ካብኡ ወፂኡ ድማ፥ ናብ ካልእ ቦታ ኸደ።


እቶም ኣይሁድ ንእስክንድሮስ ኣብቲ ቕድሚ ህዝቢ ምስ ኣቕረብዎ፥ ካብቶም ህዝቢ እውን ገሊኣቶም ዓው ኢሎም ኣደፋፈርዎ። እስክንድሮስ ድማ፥ ነቶም ህዝቢ ኽምጕተሎም ደልዩ፥ ስቕ ክብሉ ብኢዱ ኣመልከቶም።


ሽዑ ጳውሎስ ምስ ተፈቕደሉ፥ ኣብቲ መደያይቦ ደው ኢሉ፥ ነቶም ህዝቢ ስቕ ክብሉ፥ ብኢዱ ኣመልከቶም፤ ስቕ ምስ በሉ ኸዓ፥ ብቛንቋ ዕብራይስጢ፥ ከምዙይ ኢሉ ኽናገሮም ጀመረ፦


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos