22 ናብኣቶም ናብ ደገ ወፂኡ፥ ክዛረቦም ስለ ዘይከኣለ ድማ፥ ኣብ ቤተ መቕደስ ራእይ ከም ዝረአየ ፈለጡ፤ ንሱውን በሃም ኮይኑ ብኢዱ የመልክቶም ነበረ።
ንሳቶም ዓማፂት ቤት እዮም እሞ፥ ምእንቲ ኽትዕበስን፥ ዘላፊኦም ከይትኸውንስ፥ ልሳንካ ኣብ ታሕናግካ ኸጣብቕ እየ።
እቶም ህዝቢ ግና ንዘካርያስ ይፅበይዎ ነበሩ፤ በቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ምድንጓዩውን ተገረሙ።
ዘካርያስ እዋን ኣገልግሎቱ ምስ ፈፀመ ናብ ገዛኡ ተመለሰ።
ነቦኡ ድማ ስሙ መን ክበሃል ከም ዝደሊ፥ እናመልከቱ ጠየቕዎ።
ስምኦን ጴጥሮስ “ንእኡ ብዛዕባ መን እዩ ዝዛረብ ዘሎ፥ እስኪ ጠይቆ? ኢሉ ጠቐሶ።”
ንሱ ግና ስቕ ክብሉ ብኢዱ ኣመልከቶም፤ እግዚኣብሄር ካብ ቤት ማእሰርቲ ኸመይ ገይሩ ኸም ዘውፅኦ ነገሮም እሞ፥ “ነዝ ነገርዙይ ንያእቆብን፥ ነቶም ኣሕዋትን ንገርዎም” በሎም፤ ካብኡ ወፂኡ ድማ፥ ናብ ካልእ ቦታ ኸደ።
እቶም ኣይሁድ ንእስክንድሮስ ኣብቲ ቕድሚ ህዝቢ ምስ ኣቕረብዎ፥ ካብቶም ህዝቢ እውን ገሊኣቶም ዓው ኢሎም ኣደፋፈርዎ። እስክንድሮስ ድማ፥ ነቶም ህዝቢ ኽምጕተሎም ደልዩ፥ ስቕ ክብሉ ብኢዱ ኣመልከቶም።
ሽዑ ጳውሎስ ምስ ተፈቕደሉ፥ ኣብቲ መደያይቦ ደው ኢሉ፥ ነቶም ህዝቢ ስቕ ክብሉ፥ ብኢዱ ኣመልከቶም፤ ስቕ ምስ በሉ ኸዓ፥ ብቛንቋ ዕብራይስጢ፥ ከምዙይ ኢሉ ኽናገሮም ጀመረ፦