21 እቶም ህዝቢ ግና ንዘካርያስ ይፅበይዎ ነበሩ፤ በቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ምድንጓዩውን ተገረሙ።
ንሱ ኸዓ ነቲ ሰላሳ ቕርሺ፥ ኣብ ቤተ መቕደስ ደርቢይዎ ወፀ፤ ከይዱውን ተሓኒቑ ሞተ።
ኢየሱስ ነዙይ ሰሚዑ ተደነቐ፤ ምልስ ኢሉ ድማ ነቶም ዝስዕብዎ ዝነበሩ፦ “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ክንድዙይ ዝኣክል እምነት ዘለዎ፥ ኣብ እስራኤል እኳ ኣይረኸብኩን።
እንሆ ነቲ ብጊዜኡ ዝፍፀም ዘረባይ ስለ ዘይኣመንካ፥ እዝ ነገር እዙይ ክሳዕ ዝፍፀም በሃም ክትከውን፥ ምዝራብውን ክትስእን ኢኻ” በሎ።
ናብኣቶም ናብ ደገ ወፂኡ፥ ክዛረቦም ስለ ዘይከኣለ ድማ፥ ኣብ ቤተ መቕደስ ራእይ ከም ዝረአየ ፈለጡ፤ ንሱውን በሃም ኮይኑ ብኢዱ የመልክቶም ነበረ።