18 ዘካርያስ ከዓ ነቲ መልኣኽ “ኣነ ኣሪገ እየ፤ ሰበይተይውን መዋእላ ሓሊፉ እዩ፤ እዝ ነገር እዙይ ከም ዝኸውን ብምንታይ ክፈልጦ እየ?” በሎ።
ኣብራም ከዓ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ኣነ ነዚኣ ኸም ዝወርሳ ብምንታይ ክፈልጥ እየ?” በሎ።
ሽዑ ኣብርሃም ብግንባሩ ፍግም ኢሉ ሰገደ። “ወዲ ሚእቲ ዓመትዶ ወዲ ይወልድ እዩ? ሳራኸ ጓል ተስዓ ዓመት ኮይናዶ ኽትወልድ ትኽእል እያ?” እናበለ ብልቡ ሰሓቐ።
ሳራ ድማ ብልባ “ድሕሪ እርጋነይዶ ፍትወት ክኾነለይ ይኽእል? ጐይታይውን ፈፂሙ ኣሪጉ እዩ” ኢላ ሰሓቐት።
ቀንዲ ኣገልጋሊ እቲ ንጉስ ድማ ንኤልሳዕ “እግዚኣብሄር መሳዅቲ ሰማይ ከፊቱ እኽሊ እንተ ዘዝንም እኳ እዝ ነገር እዙይ ይኸውንዶ?” ኢሉ መለሰሉ። ኤልሳዕ ከዓ “በዒንትኻ ኽትሪኦ ኢኻ፤ ግና ኻብኡ ኣይትጥዕምን ኢኻ” በሎ።
ሕዝቅያስ ድማ “ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከም ዝድይብስ ምልክቱ እንታይ እዩ?” ኢሉ ነበረ።
ማርያም ድማ ነቲ መልኣኽ፥ “ኣነ ሰብኣይ ኣይፈልጥን፤ እዝ ነገር እዙይ ከመይ ኢሉ ይኸውን?” በለቶ።
እንተ ኾነ ኤልሳቤጥ መኻን ስለ ዝነበረት ውሉድ ኣይነበሮምን፤ ክልቲኦም ድማ መዋእሎም ዝሓለፈ ኣረጋውያን ነበሩ።
ኣብርሃም ወዲ ሚእቲ ዓመት ኣቢሉ ስለ ዝነበረ፥ ክወልድ ከም ዘይኽእልን፥ ሳራውን ማህፀና ኸም ዝሞተ እናረአየ እኳ፥ እምነቱ ኣይደኸመን።