Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ወንጌል ሉቃስ 1:15 - መፅሓፍ ቅዱስ

15 ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዓብዪ ክኸውን እዩ እሞ፥ ወይንን ዘስክር መስተን ከቶ ኣይሰትን እዩ። ገና ኣብ ማህፀን እኖኡ እንተሎ፥ መንፈስ ቅዱስ ክመልኦ እዩ።

Ver Capítulo Copiar




ወንጌል ሉቃስ 1:15
22 Referencias Cruzadas  

ዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካን ክባርኸካን እየ፤ ንስምካውን ከዕብዮ እየ፤ ንበረኸት ድማ ኽትከውን ኢኻ።


ኣቦኡ ግና ኣበዮ፥ “ፈሊጠ ኣለኹ፤ ወደይ ፈሊጠ ኣለኹ። ዘርኢ ምናሴ ዓብዪ ህዝቢ ክኸውን እዩ፤ እቲ ንእሽተይ ሓዉ ግና ኻብኡ ኽዓቢ እዩ፤ ዘርኡውን ብዙሕ ኣህዛብ ክኸውን እዩ” በሎ።


ኣብ ኵሉ ዝኸድካዮ ምሳኻ ነበርኩ፥ ንዅሎም ፀላእትኻውን ካብ ቅድሜኻ ኣጥፋእኽዎም። ከም ስም እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ዓበይቲ ድማ ዓብዪ ስም ክህበካ እየ።


ሃብትን ክብረትን ካባኻ እየን፤ ንስኻ ድማ ንዅሉ ትገዝእ፤ ሓይልን ስልጣንን ከዓ ኣብ ኢድካ እዩ፤ ንዅሉ ሰብ ዕቤትን ፅንዓትን እትህብ ንስኻ ኢኻ፤


ግና ንስኻ ኻብ ማህፀን ኣውፃእኻኒ፤ ኣብ ጡብ እኖይ እንተለኹውን ኣባኻ ተዓቘብኩ።


ንሳቶም ግና “ኣቦና ኢዮናዳብ ወዲ ሬካብ ‘ኣባይቲ ኣይትስርሑ፤ ዘርኢ ኣይትዝርኡ፤ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣይትትከሉ፤ ኣይተጥርዩውን፤ ኣብታ ኣጋይሽ ኴንኩም እትነብሩላ ዘለኹም ሃገር፥ ዕድሜኹም ምእንቲ ኽነውሕ፥ ኵሉ ዘመንኩም ኣብ ድንኳን ንበሩ፤ ንስኻትኩምን ዘርእኹምን ንዘለኣለም ወይኒ ኣይትስተዩ’ ኢሉ ኣዚዙና እዩ እሞ፥ ወይኒ ኣይንሰትን ኢና።


“ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ክትኣትዉ እንተለኹም ምእንቲ ኸይትሞቱ ንስኻን ደቅኻን ወይንን ዘስክር መስተን ኣይትስተዩ። እዙይ ንውሉድ ወለዶኹም ንዘለኣለም ዝነብር ሕጊ እዩ።


ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ንህዝቡ ኸዕቝቦም እዩ፤ ንሳቶም ድማ ኽድምስስዎም እዮም፤ ኣእማን እቲ ወንጭፍ ድማ ኽረግፁ እዮም፤ ከም ወይኒ ኽሰትይዎም እዮም፤ ከም ፅዋዕን ከም መኣዝናት መሰውኢን፥ ዝተማልኡ ክኾኑ እዮም።


ንሱ ሓጐስን ደስታን ክኾነልካ እዩ፤ ብምውላዱውን ብዙሓት ክሕጐሱ እዮም።


ኣንስቲ ኻብ ዝወለዳኦም፥ ካብ መጥምቕ ዮሃንስ ዝዓቢ ነቢይ፥ ሓደኳ የለን እብለኩም ኣለኹ፤ ኣብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ግና፥ እቲ ዝንእሶ እዩ ዝዓብዮ።”


እንጀራ ዘይበልዕን ወይኒ ዘይሰትን፥ መጥምቕ ዮሃንስ እንተ መፀ ‘ጋኔን ኣለዎ’ ትብሉ።


ንሱ ዝነድድን ዘብርህን መብራህቲ ነበረ፤ ንስኻትኩም ከዓ በቲ ብርሃኑ ንቑሩብ ጊዜ ደስ ክብለኩም ደለኹም።


ንዅሎም ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኦም፤ መንፈስ ቅዱስ ክዛረቡ ኸም ዝሃቦምውን፥ ብኻልእ ቋንቋታት ክዛረቡ ጀመሩ።


እቲ ኣብ ማህፀን እነይ እንተለኹ ዝሓረየኒ፥ ብፀጋኡውን ዝፀውዐኒ እግዚኣብሄር፥


ብመንፈስ ቅዱስ ደኣ ተመልኡ እምበር፥ ናብ ጥፍኣት ስለ ዘብፅሕ፥ ብወይኒ ኣይትስከሩ።


እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ “ከምቲ ምስ ሙሴ ዝነበርኩ ምሳኻውን ከም ዘለኹ ምእንቲ ኽፈልጡስ፥ ሎሚ ኣብ ዓይኒ ዅሉ እስራኤል ልዕል ልዕል ከብለካ ኽጅምር እየ።


በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ንኢያሱ ኣብ ቅድሚ ዅሉ እስራኤል ልዕል ኣበሎ። ከምቲ ንሙሴ ዝፈርሕዎውን ዕድመ ልክዑ ፈርሕዎ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos