14 ንሱ ሓጐስን ደስታን ክኾነልካ እዩ፤ ብምውላዱውን ብዙሓት ክሕጐሱ እዮም።
ሳራውን፥ “እግዚኣብሄር ሰሓቕ ገበረለይ፤ ነዙይ ዝሰምዐ ዅሉውን ምሳይ ክስሕቕ እዩ” በለት።
ለባም ውሉድ ነቦኡ የሐጕሶ፤ ሰነፍ ውሉድ ግና ንወላዲቱ ይንዕቓ።
ወደይ፥ ልብኻ መስተውዓሊ እንተ ኾይኑ፥ ልበይ ይሕጐስ፤
ኣቦ ፃድቕ ብዙሕ ይሕጐስ፤ ጥበበኛ ውሉድ ዝወለደ ኸዓ ብእኡ ደስ ይብሎ።
እቲ ነቦይ “ወዲ ተወሊዱልካ” ኢሉ ዘበሰሮ እሞ፥ ዘሐጐሶ ሰብ ርጉም ይኹን።
እቲ መልኣኽ ድማ፦ “ዘካርያስ፥ ፀሎትካ ተሰሚዑልካ እዩሞ ኣይትፍራሕ፤ ሰበይትኻ ኤልሳቤጥ ወዲ ኽትወልደልካ እያ፤ ስሙውን ዮሃንስ ኢልካ ኽትሰምዮ ኢኻ።
ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዓብዪ ክኸውን እዩ እሞ፥ ወይንን ዘስክር መስተን ከቶ ኣይሰትን እዩ። ገና ኣብ ማህፀን እኖኡ እንተሎ፥ መንፈስ ቅዱስ ክመልኦ እዩ።
ጐረባብታን ኣዝማዳን ከዓ፥ እግዚኣብሄር ምሕረቱ ኸም ዘዕበየላ ሰሚዖም፥ ምስኣ ተሓጐሱ።