10 በቲ ጊዜ ዕጣን ድማ፥ ኵሉ እቲ ህዝቢ ብወፃኢ ኾይኑ ይፅሊ ነበረ።
ፀሎተይ ኣብ ቅድሜኻ ኸም ዕጣን ተቐበለለይ፤ ምልዓል ኢደይውን ከም መስዋእቲ ሰርኪ ይኹን።
ህዝቢ እታ ምድሪ፥ ብሰናብትን ብሰርቂ ኣዋርሕን ኣብ መእተዊ እዛ ደገ እዚኣ ኾይኖም፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክሰግዱ እዮም።
ኣሮን ንምስትስራይ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ክኣቱ እንተሎ፥ ንባዕሉን ንስድራኡን ንብዘሎ ህዝቢ እስራኤልን ኣስተስርዩ ኻብኡ ኽሳዕ ዝወፅእ ሓደ ሰብ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ኣይእቶ።
ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝሚዛኑ ዕጣን ዝመልአ ፅዋዕ ወርቂ፥
እምበኣር ንሰማያት ዝዓረገ ዓብዪ ሊቀ ካህናት፥ ኢየሱስ ወዲ እግዚኣብሄር ስለ ዘለና፥ እምነትና ኣፅኒዕና ንሓዝ።
ክርስቶስ ኣብ ቕድሚ እግዚኣብሄር ክንዳና ምእንቲ ኽረአየልና፥ ናብ ሰማይ ኣተወ እምበር፥ ናብታ ብኢድ ዝተገብረት፥ ናይታ ምስሊ ናይ ብሓቂ መቕደስ ናብ ዝኾነት ኣይኣተወን።
ካልእ መልኣኽውን፥ ወርቂ ፅንሃህ ሒዙ መፀ እሞ፥ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ደው በለ። ምስቲ ፀሎት ኵሎም ቅዱሳን ወሲኹ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ቅድሚ ዙፋን ዘሎ መሰውኢ ወርቂ፥ ምእንቲ ኸቕርቦ ኸዓ፥ ብዙሕ ዕጣን ተውሃቦ።