8 ሽዑ ኣሮን ናብቲ መሰውኢ ቐሪቡ ነቲ ምእንቲ ሓጢኣቱ ዝስዋእ ጣዕዋ ሓረዶ።
ኣሮን ድማ ንሙሴ “እንሆ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቶምን ዝቃፀል መስዋእቶምን ሎሚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕሪቦም እዮም፤ ንኣይ ከዓ ኸምዙይ ዝበለ በፅሐኒ፤ ሎሚ ኽንዲ ሓጢኣት ዝቐረበ መስዋእቲ በሊዐ እንተ ዝኸውንከ ንእግዚኣብሄር ደስዶ መበሎ ነይሩ?” ኢሉ ንሙሴ ተዛረቦ።
ኢዱ ድማ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እታ ምእንቲ ሓጢኣት እትስዋእ ጤል የንብር፤ ኣብቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝቐርበሉ ቦታ ድማ ይሕረዳ።