Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሌዋውያን 9:7 - መፅሓፍ ቅዱስ

7 ሙሴ ድማ ንኣሮን “ናብ መሰውኢ ቐሪብካ ኽንዲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእትኻን ዝቃፀል መስዋእትኻን ሰውእ፤ ንርእስኻን ነቲ ህዝብንውን ስርየት ኣስተስሪ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ድማ፥ ናይ ህዝቢ ቝርባን ኣቕርብ። ሓጢኣቶምውን ኣስተስርየሎም” በሎ።

Ver Capítulo Copiar




ዘሌዋውያን 9:7
12 Referencias Cruzadas  

ኣሮን ከዓ ነቲ ምእንቲ ሓጢኣቱ ዝስዋእ ዝራብዕ የቕርቦ፤ ሓሪዱ ድማ ንባዕሉን ንቤተሰቡን የስተስሪ።


ኣብቲ ቅዱስ ቦታ ኾይኑ ድማ፥ ሰብነቱ ብማይ ይተሓፀብ፤ ናይ ቅድም ክዳውንቱ ኸዓ ይከደን። ወፂኡ ድማ ነቲ ዝቃፀል መስዋእቱን ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ህዝብን ይሰውእ፤ ንባዕሉን ንህዝብን ከዓ የስተስሪ።


ኣሮን ከዓ ነቲ ምእንቲ ሓጢኣቱ ዝስዋእ ዝራብዕ የቕርቦ፤ ንባዕሉን ንስድራኡን ድማ የስተስሪ።


እቲ ሓጢኣት ዝገበረ፥ ዝተቐብአ ካህን እንተ ኾይኑ፥ እሞ በዙይ ነቲ ህዝቢ በደል ክቝፀረሎም እንተ ገበረ፥ ስለ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ንእግዚኣብሄር ጐደሎ ዘይብሉ ዝራብዕ መስዋእቲ የቕርብ።


እዝ ሎሚ ዝተገብረ፥ ስርየት ሓጢኣት ምእንቲ ኽትረኽቡ እግዚኣብሄር ግበርዎ ኢሉ ዝኣዘዞ እዩ።


ንኣሮን ከዓ ኸምዙይ በሎ፦ “ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ፥ ጐደሎ ዘይብሉ ተባዕታይ ጣዕዋን፥ ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውን፥ ጐደሎ ዘይብሉ ሓደ ማጕላን ወሲድካ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕርቦም።


ኵሉ ሊቀ ካህናት ዝኸውን፥ ካብ ሰብ እዩ ዝምረፅ። ንእግዚኣብሄር ድማ መባእን መስዋእትን ከቕርብ ምእንቲ ሰብ ድማ ይሽየም።


ሰለዙይ ድማ ኸምቲ ምእንቲ ህዝቢ፥ ከምኡውን ምእንቲ ርእሱ፥ ናይ ሓጢኣት መስዋእቲ ኸቕርብ ይግብኦ።


ኣብቲ ኻልኣይ ክፍሊ ግና፥ እቲ ሊቀ ካህናት ጥራሕ ኣብ ዓመት ሓደ ሻዕ ይኣቱ፤ ግና እቲ ምእንቲ ርእሱን፥ ምእንቲ እቶም ህዝቢ ዝገበርዎ ሓጢኣትን፥ ዘቕርቦ ደም እንተይሓዘ ኣይኣቱን።


ስለዙይ ከዓ፥ እቲ በደል ስድራ ኤሊ ብመስዋእቲ ሕሩድ ወይ ብመስዋእቲ ምግቢ ንዘለኣለም ከም ዘይስረየሉ ምሒለ ኣለኹ።”


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos