5 እቲ ሙሴ ዝኣዘዞ ኸዓ ናብ ቅድሚ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኣምፅኡ። ኵሎም ህዝቢ እስራኤል ድማ ቐሪቦም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው በሉ።
ዳዊት ከዓ ንታቦት እግዚኣብሄር ናብታ ዘሳናደወሉ ቦታ ምእንቲ ኸደይቦ፥ ንዅሎም ህዝቢ እስራኤል ኣብ ኢየሩሳሌም ኣከቦም።
እቶም ህዝቢ ዅላቶም ከም ሓደ ሰብ ኮይኖም፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣፍ ደገ ማይ ዝበሃል ገፊሕ ቦታ ተኣከቡ። ንእዝራ እቲ ፀሓፊ ድማ እቲ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ዝኣዘዞ መፅሓፍ ሕጊ ሙሴ ኸምፅአሎም ጠየቕዎ።
ሙሴ ኸዓ ነቲ ህዝቢ ምስ እግዚኣብሄር ክራኸብ፥ ካብ ሰፈር መሪሑ ኣውፅኦ። እቶም ህዝቢ ድማ ኣብ እግሪ እቲ እምባ ደው በሉ።
ንመስዋእቲ ምስጋና ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን፥ ዘይቲ ዝፈሰሶ መስዋእቲ እኽልን ወሲድኩም፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰውኡ በሎም።”
ሙሴ ኸዓ “ክብሪ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽግለፀልኩም፥ እቲ እግዚኣብሄር ክትገብርዎ ኢሉ ዝኣዘዞ ነገር እዙይ እዩ” በሎም።
ምእንቲ ኽሰምዑን ክመሃሩን እሞ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክፈርሕዎ፥ ንቓል እዝ ሕጊ እዙይ ከዓ ተጠንቂቖም ምእንቲ ኽሕልውዎ፥ ንሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ኣብ ከተማታትኩም ንዝነብሩ ባዕዳንን፥ ኣክብዎም።