21 ኣሮን ድማ ነተን ሓኸለታትን የማነይቲ እግርን፥ ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞ ናብ እግዚኣብሄር እናወዝወዝካ ኸም ዝቐርብ መስዋእቲ ገይሩ ወዝወዞ።
ነዝ ዅሉ ድማ ኣብ ኣእዳው ኣሮንን ኣብ ኣእዳው ደቁን ኣንብሮ፤ ሽዑ ናባይ እናወዝወዝካ ኸም ዝቐርብ መስዋእቲ ጌርካ ኣቕርበለይ።
ንሱውን “ኣታ እስራኤል፥ ንስኻ ባርያይ ኢኻ፤ ብኣኻውን ክኸብር እየ” በለኒ።
ስብሒ ዝበኸተን ስብሒ ኣራዊት ዝቐተሎ እንስሳኹምን ንዝኾነ ስራሕ ኣውዕልዎ፤ ምብላዕ ግና ኣይትብልዕዎ።
ኣብ ዅሉ እትነብርዎ ኸዓ ናይ ዒፍ ኮነ ናይ እንስሳ ደም ኣይትብልዑ።
ኣብ ልዕሊ ሓኸለታት ገበርዎ፤ ኣሮን ከዓ ነቲ ስብሕታት ኣብ መሰውኢ ኣቃፀሎ።
ብድንገት ከዓ፥ ብዙሓት ሰራዊት ሰማይ ምስቲ መልኣኽ ኮይኖም፥ ንእግዚኣብሄር እናመስገኑ፦
እቲ ዝምህር፥ ቃል እግዚኣብሄር ይምሃር፤ እቲ ዘገልግል፥ በቲ እግዚኣብሄር ዝሃቦ ሓይሊ የገልግል፤ እዙይ ከዓ፥ እግዚኣብሄር፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ፥ ብዅሉ ነገር ምእንቲ ኽምስገን እዩ። ክብርን ስልጣንን፥ ንዘለኣለመ ኣለም ንእኡ ይኹኖ። ኣሜን።