12 ነቲ ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውን ድማ ሓረደ። ደቁ ኸዓ ነቲ ደም ኣምፅኡሉ፤ ንሱ ድማ ኣብቲ መሰውኢ ብዅሉ ወገኑ ነፀጎ።
ኣሮን ድማ ንሙሴ “እንሆ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቶምን ዝቃፀል መስዋእቶምን ሎሚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕሪቦም እዮም፤ ንኣይ ከዓ ኸምዙይ ዝበለ በፅሐኒ፤ ሎሚ ኽንዲ ሓጢኣት ዝቐረበ መስዋእቲ በሊዐ እንተ ዝኸውንከ ንእግዚኣብሄር ደስዶ መበሎ ነይሩ?” ኢሉ ንሙሴ ተዛረቦ።
ስጋኡን ቈርበቱን ከዓ ኣብ ወፃኢ ሰፈር ብሓዊ ኣንደዶ።
ነቲ ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውን በብኽፍሉ ቘራሪፆም ምስ ርእሱ ኣምፅኡሉ፤ ንሱ ኸዓ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣቃፀሎ።
ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ድማ ኸምቲ ዝተሓገገ ስርዓት ገይሩ ኣቕረቦ።
ደቁ ድማ ነቲ ደም ኣቕረቡሉ፤ ንሱ ኸዓ ኣፃብዕቱ ኣብቲ ደም ጠሚዑ ኣቕርንቲ መሰውኢ ለኸየ። ነቲ ዝተረፈ ደም ከዓ ኣብ እግሪ እቲ መሰውኢ ኣፍሰሶ።
ከምቲ ክርስቶስ ዘፍቀረና፥ ምዑዝ ዝሽታኡ መባእን መስዋእትን ገይሩ፥ ንባዕሉ ምእንታና ኣሕሊፉ ዝሃበ፥ ንስኻትኩምውን ብፍቕሪ ተመላለሱ።