11 ስጋኡን ቈርበቱን ከዓ ኣብ ወፃኢ ሰፈር ብሓዊ ኣንደዶ።
ነቲ ዝራብዕ ድማ ኻብቲ ሰፈር ንወፃኢ የውፅኣዮ፤ ነቲ ቐዳማይ ዝራብዕ ከም ዘቃፀሎ፥ የቃፅሎ። እዙይ ናይቲ ማሕበር መስዋእቲ ሓጢኣት እዩ።
ነቲ ዝራብዕ ግና ምስ ቈርበቱን ስጋኡን ፈርሱን፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ፥ ኣብ ወፃኢ ሰፈር ብሓዊ ኣቃፀሎ።
ናይቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ እንስሳ ስብሕን ኵላሊትን ቃንጡጥ ከብድን ግና ኸምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣቃፀሎ።
ነቲ ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውን ድማ ሓረደ። ደቁ ኸዓ ነቲ ደም ኣምፅኡሉ፤ ንሱ ድማ ኣብቲ መሰውኢ ብዅሉ ወገኑ ነፀጎ።