1 ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ብሻምነይቲ መዓልቲ ሙሴ ንኣሮንን ንደቁን ንዓበይቲ እስራኤልን ፀውዖም።
ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ድማ ጐደሎ ዘይብሎም ክልተ ጡበታት ኣባጊዕን፥ ጐደሎ ዘይብላ ዓመት ዝገበረት ሓንቲ በጊዕን፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ሰለስተ ኺሎ ልሑም ሕሩጭን ሓደ ሲሶ ሊትሮ ዘይትን የምፅእ።
በታ ምንፃሁ ዝፍፀመላ ሻምነይቲ መዓልቲ ነዝ ነገር እዙይ ናብ ካህን፥ ናብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የምፅኣዮ።
ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ድማ ኽልተ ባሪቶ ወይ ክልተ ርግቢ ይውሰድ፤ ናብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይምፃእ፤ ነቲ ኻህን ከዓ ይሃቦ።
ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ኸዓ ኽልተ ባሪቶ ወይ ክልተ ርግቢ ትውሰድ፤ ናብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ድማ ተምፅኣዮ።
ምቕባል ክህነትኩም ንሸውዓተ መዓልቲ ኽፀንሕ እዩ እሞ፥ እተን ክህነት እትቕበሉለን መዓልቲታት ክሳዕ ዝመልኣ፥ ንሸውዓተ መዓልቲ ኻብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኣይትውፅኡ።
ኣሮንን ደቁን ድማ ነቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ብሙሴ ገይሩ ዝኣዘዞ ገበሩ።
ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ኽልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ኣናእሽቱ ርግቢ ናብ ኣፍ እቲ መራኸቢ ድንኳን ናብ ካህን የምፅእ።
ድሕሪ ሰንበት ለይቲ፥ ናብታ ናይ ሰሙን ቀዳመይቲ መዓልቲ ዘውግሕ፥ ማርያም መግደላዊትን እታ ኻልአይታ ማርያምን ነቲ መቓብሩ ኽሪኣ መፃ።