Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሌዋውያን 8:9 - መፅሓፍ ቅዱስ

9 ኣብ ርእሱ ኸዓ መጠምጠምያ ገበረሉ። ኣብ ልዕሊ እቲ መጠምጠምያ ድማ ብወገን ቅድሚት፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ብወርቂ ዝተሰርሐ ገይፂ፥ ቅዱስ ኣኽሊል ገበረሉ።

Ver Capítulo Copiar




ዘሌዋውያን 8:9
10 Referencias Cruzadas  

እቲ ዝገብርዎ ኣልባሳት ከዓ፥ ሳንቃ ኣፍ ልቢ፥ ኤፉድ፥ ቀሚሽ ላዕሊ፥ ዝተጠልፈ ቐሚሽ ውሽጢ፥ መጠምጠምያ፥ ቅናት እዩ። ኣሮንን ደቁን ካህናት ኮይኖም ምእንቲ ኸገልግሉኒ፥ እዝ ቅዱስ ኣልባሳት እዙይ ይግበሩሎም።


ኣብ ርእሱ ድማ መጠምጠምያ ግበረሉ፤ ነቲ ቕዱስ ኣኽሊል ከዓ ኣብ ልዕሊ እቲ መጠምጠምያ ግበሮ።


ሙሴ ድማ ኸምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ።


ነቲ ናይ ውሽጢ ኣካላት ከብድን ነቲ ኣእጋርን ብማይ ሓፀቦ። ንዅሉ ስጋ እቲ ማጕላ ድማ ኣብ መሰውኢ ኣቃፀሎ። እዙይ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ጨና ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ። እዙይ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ዝቐርብ መስዋእቲ እዩ።


ኣሮንን ደቁን ድማ ነቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ብሙሴ ገይሩ ዝኣዘዞ ገበሩ።


መሊሱ ድማ “ኣብ ርእሱ ፅሩይ መጠምጠሚያ ጠምጥሙሉ” በሎም። ንሳቶም ድማ ንኢያሱ ፅሩይ መጠምጠሚያ ጠምጠሙሉ፤ ክዳውንቲውን ከደንዎ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ጥቓኡ ቖይሙ ነበረ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos