21 ነቲ ናይ ውሽጢ ኣካላት ከብድን ነቲ ኣእጋርን ብማይ ሓፀቦ። ንዅሉ ስጋ እቲ ማጕላ ድማ ኣብ መሰውኢ ኣቃፀሎ። እዙይ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ጨና ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ። እዙይ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ዝቐርብ መስዋእቲ እዩ።
እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ጥዑም መዓዛ ኣጫነወ፤ እግዚኣብሄርውን ብልቡ፦ “ሓሳብ ልቢ ወዲ ሰብ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ እኳ ኽፉእ እንተ ኾነ፥ ድሕሪ ደጊም ብሰንኪ በደል ሰብ ንምድሪ ኣይረግማን እየ። ድሕሪ ደጊምውን ከምቲ ዝገበርክዎ፥ ህይወት ንዘለዎ ዅሉ፥ መሊሰ ኣየጥፍኦን እየ።
ርእሱን ኣእጋሩን ናይ ውሽጢ ኣካላቱን ብሓዊ ጠቢስኩም ብልዕዎ እምበር፥ ካብቲ ጥረ ስጋ ኾነ፥ ካብቲ ብማይ ዝበሰለ ኣይትብልዑ።
ነቲ ማጕላ ድማ ብምሉኡ ኣብ መሰውኢ ኣቃፅሎ። ንሱ ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ፤ ንሱ ንኣይ ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ።
ሙሴ ድማ ኸምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ።
ነቲ ናይ ውሽጢ ኣካላቱን ኣእጋሩን ግና ብማይ ይሕፀቦ፤ እቲ ኻህን ድማ ብምሉኡ የቕርቦ፤ ኣብ መሰውኢ ኸዓ የቃፅሎ። እዝ ብሓዊ ዝቐርብ መስዋእቲ፥ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ጨና እዩ።
በኽናፉ ይጭደዶ፤ ግና ኣይፈላልዮ፤ እቲ ኻህን ከዓ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መሰውኢ፥ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ዘሎ ዕንፀይቲ የቃፅሎ። እዝ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ፥ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ጨና እዩ።
እቲ ሰብኣይ ነቲ ናይ ውሽጢ ኣካላቱን ኣእጋሩን ብማይ ይሕፀቦ፤ እቲ ኻህን ድማ ነቲ ዅሉ ዝቃፀል መስዋእቲ ናይ ሓዊ ቝርባን ገይሩ ብእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና ንክኸውን ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ የቃፅሎ።
እቲ ኻህን ድማ ኻብቲ ቝርባን እኽሊ ንመዘከርታ ዝኸውን ኣልዒሉ፥ ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ። ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ፥ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና እዩ።
ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ድማ፥ ሙሴ ንደቂ ኣሮን ኣቕረቦም፤ ቀማውሽ ኸዲኑ ኸዓ ቕናውቲ ኣቐነቶም፤ መጠምጠምያታት እውን ገበረሎም።
ኣብ ርእሱ ኸዓ መጠምጠምያ ገበረሉ። ኣብ ልዕሊ እቲ መጠምጠምያ ድማ ብወገን ቅድሚት፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ብወርቂ ዝተሰርሐ ገይፂ፥ ቅዱስ ኣኽሊል ገበረሉ።
ከምቲ ክርስቶስ ዘፍቀረና፥ ምዑዝ ዝሽታኡ መባእን መስዋእትን ገይሩ፥ ንባዕሉ ምእንታና ኣሕሊፉ ዝሃበ፥ ንስኻትኩምውን ብፍቕሪ ተመላለሱ።