2 “ንኣሮንን ንደቁን ናብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ውሰዶም። ኣልባስን መቕብኢ ዘይትን፥ እቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ ዝራብዕን፥ እቶም ክልተ ማጓሉን፥ እቲ ቕጫ ዝሓዘ መሶብን ድማ ተማላእ፤
“ንስኻ ኸዓ ንሓውካ ኣሮንን፥ ንደቁ ናዳብን ኣብዩድን ኣልኣዛርን ኢታምርን፥ ካህናት ኮይኖም ከገልግሉኒ፥ ካብ ደቂ እስራኤል ፈሊኻ ናባኻ ኣቕርቦም።
ንደቂ ኣሮን ድማ ቐማውሽ ግበረሎም፤ ቅናውቲውን ግበረሎም፤ ክቡርን ምልኩዕን መጠምጠምያ እውን ግበረሎም።
ነቲ ኣብ ኣገልግሎት መቕደስ ዝውዕል ዝተጠልፈ ኣልባሳት፥ ነቲ ቅዱሳት ኣልባሳት እቲ ኻህን ኣሮንን፥ ነቲ ደቁ ብኽህነት ከገልግሉ እንተለዉ ዝኽደንዎ ኣልባስን፥ ናብ ሙሴ ኣምፅእዎ።
እቲ ኻህን ብሃሪ ዝተሰርሐ ቐሚሽን ብሃሪ ዝተኣልመ ስረን ኣብ ልዕሊ ስጋኡ ይልበስ። ነቲ ሓሙዅሽቲ ናይቲ ኣብ መሰውኢ ብሓዊ ዝቃፀል ናይ መስዋእቲ ሓሙዅሽቲ ሓፊሱ፥ ኣብ ጐድኒ መሰውኢ የፍስሶ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተናገሮ፦
ሙሴ ድማ መቕብኢ ዘይቲ ወሲዱ ነቲ ድንኳንን ነቲ ኣብኡ ዝነበረ ዅሉን ቀቢኡ ቐደሶ።
ሙሴ ድማ ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውን ማጕላ ኣቕረቦ። ኣሮንን ደቁን ከዓ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ማጕላ ኣንበሩ።
ሙሴ ንቕድስና ዝኸውን ካልእ ማጕላ ኣቕረበ። ኣሮንን ደቁን ድማ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ማጕላ ኣንበሩ።
ንዅሉ እቲ ማሕበር ኣብኡ ኣክቦም” በሎ።
ንሱ ንሓዋሩ፥ ሓደ ጊዜ፥ ንባዕሉ መስዋእቲ ገይሩ ኣቕሪቡ እዩ እሞ፥ ከምቶም ካልኦት ሊቃነ ካህናት፥ ቅድም ምእንቲ ሓጢኣት ርእሱ፥ ደሓር ድማ ምእንቲ ሓጢኣት ህዝቢ፥ በብመዓልቱ መስዋእቲ ኸቕርብ ኣየድልዮን እዩ።