16 ንዅሉ ኣብ ናይ ውሽጢ ኣካላት ዝነበረ ስብሕን ቃንጡጥ ከብድን ክልቲኡ ዅላሊትን ምስ ስብሑን ወሲዱ ድማ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣቃፀሎ።
ርእሱን ኣእጋሩን ናይ ውሽጢ ኣካላቱን ብሓዊ ጠቢስኩም ብልዕዎ እምበር፥ ካብቲ ጥረ ስጋ ኾነ፥ ካብቲ ብማይ ዝበሰለ ኣይትብልዑ።
ነቲ ናይ ውሽጢ ኣካላት ዝጕልብብ ቃንጡጥን ኣብ ልዕሊ ኸብዲ ዘሎ ስብሕን፥ ንኽልቲኡ ዀላሊትን፥ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ስብሕን፥ ብምሉኡ ወሲድካ ኣብ መሰውኢ ኣሕርሮ።