13 ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ድማ፥ ሙሴ ንደቂ ኣሮን ኣቕረቦም፤ ቀማውሽ ኸዲኑ ኸዓ ቕናውቲ ኣቐነቶም፤ መጠምጠምያታት እውን ገበረሎም።
ካህናትካ ፅድቂ ይልበሱ፤ ቅዱሳንካ ድማ ደስ ይበሎም።
ንኣሮን እቲ ቅዱስ ልብሲ ኸዲንካ ድማ፥ ካህነይ ክኸውን፥ ቅብኣዮን ቀድሶን።
ሙሴ ድማ ኸምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ።
ከምቲ ኣኽሊል፥ ኣብ ርእሱ ዝደፍአ መርዓዊ፥ ከምታ ሽልማት፥ ዝተሸለመት መርዓት፥ እግዚኣብሄር ልብሲ ድሕነት ኣልቢሱኒ፥ ብመጐናፀፊ ፅድቂውን ኣጐልቢቡኒ እዩ እሞ፥ ብእግዚኣብሄር የመና እሕጐስ፥ ነፍሰይ ድማ ብኣምላኸይ ደስ ይብላ ኣሎ።
ንስኻትኩም ግና “ካህናት እግዚኣብሄር” ተብሂልኩም፥ ክትስመዩ ኢኹም፤ ሰብ ከዓ “ኣገልገልቲ ኣምላኽና” ኽብለኩም እዩ፤ ሃብቲ ኣህዛብ ክትበልዑ፥ ብኽብሮም ድማ ኽትከብሩ ኢኹም።
እቶም ካህናት ምስ ኣተዉ፥ እተን ዘገልገሉለን ኣልባሳት ቅዱሳት እየን እሞ፥ ኣብኡ ኸየንብርወን፥ ካብታ መቕደስ ናብ ወፃኢ ዓፀድ ኣይውፅኡ፤ ካልእ ክዳውንቲ ይከደኑ እሞ፥ ናብቲ ንህዝቢ ዝተመደበ ቦታ ይውፅኡ።
ንሳቶም ድማ መፂኦም ከምቲ ሙሴ ዝበሎም፥ ብኽዳውንቶም ካብቲ ሰፈር ናብ ወፃኢ ፆይሮም ኣውፅእዎም።
ነቲ ናይ ውሽጢ ኣካላት ከብድን ነቲ ኣእጋርን ብማይ ሓፀቦ። ንዅሉ ስጋ እቲ ማጕላ ድማ ኣብ መሰውኢ ኣቃፀሎ። እዙይ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ጨና ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ እዩ። እዙይ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ዝቐርብ መስዋእቲ እዩ።
ንስኻትኩምውን ቅዱሳን ካህናት ኴንኩም፥ ነቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኣብ እግዚኣብሄር ቅቡል ዝኾነ መንፈሳዊ መስዋእቲ ምእንቲ ኽተቕርቡ፥ ከም ህያዋን ኣእማን ኴንኩም፥ ኣብ መንፈሳዊ ቤት ተሃነፁ።
ንስኻትኩም ግና፥ ናይቲ ኻብ ፀልማት፥ ናብቲ ዘገርም ብርሃኑ ዝፀውዐኩም፥ ዘደንቕ ስራሕ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽትነግሩ ዝመረፀኩም፥ ሕሩይ ወለዶ፥ ናይ ንጉስ ካህናት፥ ቅዱስ ህዝቢ፥ ጥሪት እግዚኣብሄር ዝኾነ ህዝቢ ኢኹም።
ንእግዚኣብሄር ኣቦኡ ድማ፥ መንግስትን ካህናትን ዝገበረና፥ ክብርን ስልጣንን ንዘለኣለመ ኣለም ንእኡ ይኹኖ። ኣሜን።
ንኣምላኽና፥ መንግስትን ካህናትን ገበርካዮም፤ ንሳቶም ድማ፥ ኣብ ምድሪ ኽነግሱ እዮም።”