Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሌዋውያን 8:11 - መፅሓፍ ቅዱስ

11 ካብቲ ዘይቲ ወሲዱ ኸዓ ናብ ልዕሊ መሰውኢ ሸውዓተ ሻዕ ነፀገ፤ ምእንቲ ኽቕድሶውን ንመሰውእን ንዅሉ ኣቕሑኡን ነቲ ሸሓነ ምስ ናይ ኣጋሮኡን ቀብኦ።

Ver Capítulo Copiar




ዘሌዋውያን 8:11
13 Referencias Cruzadas  

እቲ ህቦ ምስ ተነነ ኸዓ፥ ከም ኣስሓይታ ዝምድቃቑ ደቂቕን ከቢብን ዝኾነ ነገር ኣብቲ ምድረ በዳ ኣብ ምድሪ ተርኣየ።


ሙሴ ድማ “ሓደ እኳ ኻብኡ ንፅባሕ ኢሉ ኣየትርፍ” በሎም።


በብመዓልቱ ኸዓ ንስርየት ሓጢኣት ሓደ ዝራብዕ ሰውእ፤ ስርየት ሓጢኣት ብምግባር ድማ ነቲ መሰውኢ ኣፅርዮ፤ ዘይቲ እናቐባእኻውን ቀድሶ።


እዙይ ንሸውዓተ መዓልቲ ግበሮ። ሽዑ እቲ መሰውኢ ፈፂሙ ቅዱስ ክኸውን እዩ፤ እቲ ዅሉ ዝነኽኦ ድማ ኽቕደስ እዩ።


ነዝ ዅሉ ቐድሶ እሞ፥ ኵሉ ቅዱሰ ቅዱሳን ክኸውን እዩ። ዝነኽኦ ዅሉ ኸዓ ኽቕደስ እዩ።


ነዛ ተኣምራት እትገብረላ በትርውን ብኢድካ ሒዝካ ኺድ።”


እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ መሊሱ “ንኢድካ ናብ መንኰራርዕትኻ ኣእትዋ” በሎ። ሙሴ ኸዓ ናብ መንኰራርዕቱ ኣእተዋ። ምስ ኣውፅኣ ድማ፥ እንሆ ኢዱ ኸም በረድ ዝፃዕደወት ለምፃም ኮነት።


ከምኡ ኸዓ ንብዙሓት ኣህዛብ ከደንቕ እዩ፤ እቶም ብዙሓት ነገስታትውን፥ ተነጊርዎም ዘይፈልጥ ስለ ዝሪኡ፥ ሰሚዖምዎ ዘይፈልጡውን ስለ ዘስተውዓሉ፥ ኣብ ቅድሚኡ፥ ኣፎም ክሕዙ እዮም።”


ፅሩይ ማይ ክነፅገልኩም እየ እሞ፥ ክትፀርዩ ኢኹም። ካብ ኵሉ ርኽሰትኩምን፥ ካብ ኵሎም ጣዖታትኩምን ከፅርየኩም እየ።


የማነይቲ ኣፃብዕቱ ኣብቲ ኣብ ፀጋመይቲ ኢዱ ዘፍሰሶ ዘይቲ ይጥማዕ እሞ ኻብቲ ዘይቲ በፃብዕቱ ሸውዓተ ሻዕ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይንፀግ።


እቲ ኻህን ኣፃብዕቱ ኣብቲ ደም ጠሚዑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ናብ ቅድሚ እቲ መጋረጃ ሸውዓተ ሻዕ ይንፀጎ።


ሽዑ እቲ ኻህን ኣፃብዕቱ ኣብቲ ደም ጠሚዑ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ እቲ መጋረጃ መቕደስ ካብቲ ደም ሸውዓተ ሻዕ ይንፀግ።


ብፀጋኡ ፀዲቕና፥ ብተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ወረስቲ ምእንቲ ኽንከውን፥ ብመድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ፥ ንመንፈስ ቅዱስ፥ ኣብ ልዕሌና ኣብዚሑ ኣፍሰሶ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos