7 እቲ ኽንዲ በደል ዝቐርብ መስዋእትን፥ ክንዲ ሓጢኣት ዝስዋእ መስዋእትን፥ ሕጉ ሓደ እዩ፤ እቲ ስጋ ብፅሒት ናይቲ ስርየት ሓጢኣት ዝገብር ካህን እዩ።
እቲ ኽንዲ መስዋእቲ በደልን ክንዲ መስዋእቲ ሓጢኣትን ዝኽፈል ገንዘብ ንኻህናት ደኣ ኾነ እምበር ናብቲ ቤት እግዚኣብሄር ዘሎ ሳፁን ኣይኣተወን።
ሽዑ ኣዛሄል ንጉስ ሶርያ ደየበ እሞ፥ ንጌት ተዋጊኡ ሓዛ። ንኢየሩሳሌም ክወግኣ ድማ ገፁ ኣቕንዐ።
እቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ ነቲ ኻህን ከም ዝኾነ፥ እቲ ኽንዲ በደል ዝስዋእ ከዓ ኸምኡ እዩ እሞ፥ እቲ ጡበት በጊዕ ኣብቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእን ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውንን ዝሕረዱላ ቦታ፥ ኣብ ቅዱስ ቦታ ይተሓረድ፤ ንሱ ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ እሞ።
እቲ ኻብ ቍርባን እኽሊ ዝተረፈ ድማ ንኣሮንን ንደቁን ይኹን። እዙይ ካብቲ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝተወስደ ስለ ዝኾነ ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ።
እቲ ኻብ መስዋእቲ ቍርባን እኽሊ ዝተረፈ ግና ንኣሮንን ንደቁን ይኹን። እዙይ ካብቲ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ዝቃፀል ቍርባን ዝተወስደ ስለ ዝኾነ ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ።
ብዘይ መባዅዕቲ ይሰንከት። እዙይ ካብቲ ብሓዊ ዝተቓፀለ ቝርባን ዝተውሃበ ግደኦም እዩ። ከምቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእትን ክንዲ በደል ዝቐርብ መስዋእትን ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ።
ናይ ዝኾነ ሰብ ዝቃፀል መስዋእቲ እንስሳ፥ ቈርበቱ ተገፊፉ ነቲ መስዋእቲ ዘቕርብ ካህን ይወሃብ።
ግና እቲ ዝተበደለ ሰብ እንተ ሞተ፥ ወራሲ ዘይብሉ ድማ እንተ ኾነ፥ እቲ ገንዘብ ካሕሳ ናይ እግዚኣብሄር ስለ ዝኾነ ነቲ ኻህን ይኹን። ምስቲ ኽንዲ ሓጢኣት ዝሕረድ ማጕላ ገይሩ ንኻህን ይሃቦ።
እስኪ ብስጋ ንዝኮነ እስራኤል ረአዩ፤ እቶም ካብ መስዋእቲ ዝበልዑ፥ ምስቲ መሰውኢ፥ ሕብረትዶ የብሎምን እዮም?
ኣብ ቤተ መቕደስ ዘገልግሉ፥ ካብቲ ናይ ቤተ መቕደስ ከም ዝምገቡ፥ እቶም ኣብ መሰውኢ ዘገልግሉ ድማ፥ ካብቲ መስዋእቲ ኸም ዝካፈሉ፥ ኣይትፈልጡን ዲኹም?