4 ክልቲአን ኵላሊት፥ ምስቲ ኣብ ዙርያአን ኣብ ጥቓ ሽምጢ ዘሎ ስብሕን፥ እቲ ኻብ ጥቓ ዅላሊት ዝፈልዮ ስብሒ ኸብድን ንመስዋእቲ ይቕረብ።
ነቲ ናይ ውሽጢ ኣካላት ዝጕልብብ ቃንጡጥን ኣብ ልዕሊ ኸብዲ ዘሎ ስብሕን፥ ንኽልቲኡ ዀላሊትን፥ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ስብሕን፥ ብምሉኡ ወሲድካ ኣብ መሰውኢ ኣሕርሮ።
ክልቲኡ ዅላሊት ምስቲ ኣብ ዙርያኡ ኣብ ጥቓ ሽምጢ ዘሎ ስብሕን ምስቲ ኣብ ጥቓ ዅላሊት ዘሎ ስብሒ ኸብድን ፈልዩ የቕርብ።
እቲ ኻህን ድማ ነዝ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ዝቐርብ መስዋእቲ ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ፤ እዙይ ክንዲ በደል ዝቐርብ መስዋእቲ እዩ።