16 እቲ ዝቐርብ መስዋእቲ ናይ መብፅዓ ወይ ናይ ፍቓድ እንተ ኾይኑ ኸዓ፥ በታ መስዋእቱ ዘቕረበላ መዓልቲ ይበላዕ፤ እቲ ኻብኡ ዝተረፈ ድማ ንፅባሒቱ ይበላዕ።
ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቡ፥ መብፅዓይ ንእግዚኣብሄር ክፍፅም እየ።
ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ፥ ኣብ ኣደባባይ ቤት እግዚኣብሄር፥ ኦ ኢየሩሳሌም ኣብ ማእኸልኪውን። መብፅዓይ ንእግዚኣብሄር ክፍፅም እየ። ሃሌ ሉያ።
ምስ ዝቃፀል መስዋእቲ ናብ መቕደስካ ኽኣቱ እየ።
ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይን ሰበይትን ደቂ እስራኤል፥ ነቲ እግዚኣብሄር ክግበር ኢሉ ብሙሴ ዝኣዘዞ፥ ልቡ ዝፈቐዶ ብፍታዉ ንእግዚኣብሄር መባእ ኣምፅአ።
መስዋእቲ ምስጋና ከቕርብ ተመባፂዐ ነይረ፤ ሎሚ መብፅዓይ ፈፂመ ኣለኹ።
“እቲ ሓለቓ ኸዓ ናይ ፍቓዱ መስዋእቲ፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ወይ መስዋእቲ ምስጋና፥ ከም ፍቓዱ ንእግዚኣብሄር ከቕርብ እንተሎ፥ እታ ንምብራቕ እትርኢ ደገ ትከፈተሉ እሞ፥ ነቲ ዝቃፀል መስዋእትን፥ መስዋእቲ ምስጋናኡን፥ ከምቲ ናይ ሰንበት ገይሩ ከቕርብ እዩ፤ ድሕሪዙይ ኽወፅእ፥ ምስ ወፀ ድማ እታ ደገ ትተዐፆ።
ብዕራይ ወይ በጊዕ ትርፊ ኣካል እንተ ሃልይዎ፥ ንመስዋእቲ ፍቓድ ግበሮ፤ ንመስዋእቲ መብፅዓ ግና ኣይቅቡልን እዩ።
መስዋእቲ ምስጋና ንእግዚኣብሄር ክትስውኡ እንተለኹም ተቐባልነት ከም ዝረክብ ጌርኩም ሰውኡለይ።
እዞም በዓላት እዚኣቶም፥ ብዘይ ሰናብቲ እግዚኣብሄር ብዘይ እቲ ንእግዚኣብሄር እትህብዎ ውህብቶኹም፥ ብዘይ ኵሉ መብፅዓኹም፥ ብዘይ እቶም ብፍቓድኩም እተቕርብዎም ተወሰኽቲ እዮም።
እንሆ እግሪ እቲ ብስራት ዘምፅእ ሰላም ከዓ ዝእውጅ ኣብ እምባታት ኣሎ። ኣታ ይሁዳ፥ እቲ ዘጥፍእ ጠፊኡ እዩሞ፥ ካብ ደጊም በኣኻውን ኣይሓልፍን እዩሞ፥ ዓመት በዓላትካ ግበር፤ መብፅዓኻውን ክፈል።
ንእግዚኣብሄር፥ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ወይ መስዋእቲ ሕሩድ፥ ንምፍፃም መብፅዓ ወይ ብፍቓድካ ዝግበር መስዋእቲ፥ ወይ ኣብ በዓላትኩም ከፍቲ ወይ በጊዕ ወይ ጤል ብምውፋይ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኽተቕርቡ እንተ ደሊኹም፥ ሕጉ ኸምዙይ እዩ፦
ሽዑ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንስሙ መፀውዒ ዝሓረያ ቦታ፥ እዝ ዅሉ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘለኹ፥ ዝቃፀል መስዋእትኹምን መስዋእቲ ሕሩድኩምን ኣስራትኩምን ዝለዓል መስዋእትታት ኣእዳውኩምን፥ እቲ ንእግዚኣብሄር ዝተመባፃዕኹምዎ ሕሩይ መብፅዓኹምን ናብኣ ኣምፅኡ።
ኣስራት ስርናይኩምን ወይንኹምን ዘይትኹምን በዅሪ ኸፍትኹምን ኣባጊዕኹምን ዝተመባፃዕኹምዎ መብፅዓኹምን ብፍቓድ ዘምፃእኹምዎ ውህብቶኹምን ንዝለዓል መስዋእቲ ኢድኩምን ኣብ ዝኾነ ቦታ ኸይትበልዕዎ ተጠንቀቑ።
“እቲ ዘለኩም ቅዱስ ነገርን መብፅዓኹምን ሒዝኩም፥ ናብታ እግዚኣብሄር ዝሓረያ ቦታ ኺዱ።
ዝቃፀል መስዋእትኹምን መስዋእቲ ሕሩድኩምን ኣስራትኩምን ዝለዓል መስዋእትታት ኣእዳውኩምን ናይ መብፅዓኹምን ብፍታውኩም እተቕርብዎ መባእኹምን በዅሪ ኸፍትኹምን ኣባጊዕኹምን ኣጣልኩምን ናብኣ ኣምፅኡ።