Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሌዋውያን 7:12 - መፅሓፍ ቅዱስ

12 ንምስጋና ኢሉ እንተ ኣቕረቦ፥ ምስቲ መስዋእቲ ምስጋና፥ ዘይቲ ዝተሓወሶ ዘይበዅዐ ቕጫታት፥ ዘይቲ ዝተለኽየ ዘይበዅዐ ረቂቕ ቅጫታትን ካብ ልሑም ሕሩጭ ዝተለወሰ ዘይቲ ዝተሓወሶ ቕጫታትን የቕርብ።

Ver Capítulo Copiar




ዘሌዋውያን 7:12
25 Referencias Cruzadas  

ንጉስ ሕዝቅያስ ድማ “ሕዚ ንእግዚኣብሄር ተቐዲስኩም ኢኹም እሞ ቕረቡ። መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ምስጋናን ከዓ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምፅኡ” በለ። እቲ ህዝቢ ኸዓ መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ምስጋናን ኣምፅአ፤ ኵሉ ናይ ልቢ ድሌት ዝነበሮውን ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕረበ።


ነቲ መሰውኢ እግዚኣብሄር ድማ ሓደሶ እሞ፥ ኣብ ልዕሊኡ መስዋእቲ ድሕነትን መስዋእቲ ምስጋናን ሰውአ። ንህዝቢ ይሁዳውን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከገልግልዎ ኣዘዞም።


በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ብዙሕ መስዋእቲ ሰውኡ፤ ኣምላኽ ዓብዪ ሓጐስ ኣሐጒስዎም ስለ ዝነበረ ደስ በሎም፤ እተን ኣንስትን እቶም ቆልዑን ከዓ ተሓጐሱ፤ ሓጐስ ኢየሩሳሌምውን ክሳዕ ርሑቕ ተሰምዐ።


ስለ እቲ ምሕረቱን፥ ስለ እቲ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ ተኣምራቱን ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ።


ንኣኻ መስዋእቲ ምስጋና ኽስውአልካ እየ፤ ስም እግዚኣብሄርውን ክፅውዕ እየ።


መስዋእቲ ምስጋና ዝስውአለይ የኽብረኒ፤ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ምድሓን፥ ንእኡ ዘርእየሉ መንገዲ ኣብኡ ኣሎ።


ድምፂ ሓጐስን ዕልልታን ድምፂ መርዓውን መርዓትን፥ ከምኡውን እግዚኣብሄር ሕያዋይ እዩ፤ ምሕረቱውን ንዘለኣለም እዩሞ፥ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣመስግንዎ ዝብሉ መስዋእቲ ምስጋና ሒዞም ናብ ቤት እግዚኣብሄር ናይ ዝመፁ ሰባት ድምፂ ኽስማዕ እዩ። ንምርኮ ምድሪ ኸዓ ኸምቲ ቐደም ዝነበሮ ገይረ ኽመልስ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”


ምሳኻትኩም ቃል ውሰዱ፤ ናብ እግዚኣብሄርውን ተመለሱ፤ ከምዙይ ድማ በልዎ፤ “ኵሉ ሓጢኣትና ይቕረ በለልና፤ ብምሕረትካውን ተቐበለና፤ ንሕና ኸዓ ኽንዲ ጣዕዋ፥ ፍረ ኸናፍርና ኽነቕርበልካ ኢና።


ኣብ እቶን ዝተሰንከተ ቝርባን እኽሊ ኽተቕርብ እንተለኻ ድማ፥ ብልሑም ሕሩጭ ጌርካ፥ ብዘይቲ ዝተለወሰ ዘይበዅዐ ቕጫታት፥ ወይ ከዓ ዘይቲ ዝተለኽየ ዘይበዅዐ ረቀቕቲ ቕጫታት ይኹን።


ቍርባንካ ኣብ መቝሎ ዝተሰንከተ ናይ እኽሊ ቝርባን፥ ብዘይቲ ዝተለወሰ ናይ ልሑም ቅጫ ይኹን።


መስዋእቲ ምስጋና ንእግዚኣብሄር ክትስውኡ እንተለኹም ተቐባልነት ከም ዝረክብ ጌርኩም ሰውኡለይ።


እቲ ኻብኡ ዝተረፈ ድማ ኣሮንን ደቁን ይብልዕዎ። ቅጫ ኾይኑ ኣብ ቅዱስ ቦታ ይበላዕ። ኣብ ቅፅሪ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኮይኖም ይብልዕዎ።


ስጋ ናይቲ ንምስጋና ዘቕርቦ ኣብ መስዋእቲ ምስጋና፥ በታ ዝተሰውአላ መዓልቲ ይበላዕ፤ ካብኡ ሓደ እኳ ንፅባሒቱ ኣይሕደር።


መባኵዕቲ ዘለዎ መስዋእቲ ምስጋና ኸዓ ኣቕርቡ። ብፍቓድኩም ንተቕርብዎ ውህብቶ ኣውጁን ኣውርዩን፤ ይብል ጐይታ እግዚኣብሄር።


እናመስገኖ ኸዓ፥ ኣብ እግሪ ኢየሱስ ብግምባሩ ተደፍአ። ንሱ ድማ ሳምራዊ ነበረ።


እንትርፊ እዝ ኻልእ ዝዓሌቱ፥ ንእግዚኣብሄር ክብሪ ኽህብ ዝተመለሰዶ የለን?” በለ።


ንእግዚኣብሄር እናፈለጥዎስ፥ ከም ኣምላኽነቱ ኣየኽበርዎን፤ ኣየመስገንዎን፤ እኳ ደኣ ብሓሳባቶም ከንቱ ኾኑ፤ እቲ ዘየስተውዕል ልቦምውን ፀልመተ።


ንእግዚኣብሄር ኣብ፥ ስለ ዅሉ ነገር፥ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኵልሻዕ ኣመስግንዎ።


እምበኣርከስ ኵልሻዕ ንእግዚኣብሄር፥ መስዋእቲ ምስጋና ብኢየሱስ ነቕርብ፤ እዙይ ከዓ፥ ናይተን ንስሙ ዝምስክራ ፍረ ኸናፍርና እዩ።


ንስኻትኩምውን ቅዱሳን ካህናት ኴንኩም፥ ነቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኣብ እግዚኣብሄር ቅቡል ዝኾነ መንፈሳዊ መስዋእቲ ምእንቲ ኽተቕርቡ፥ ከም ህያዋን ኣእማን ኴንኩም፥ ኣብ መንፈሳዊ ቤት ተሃነፁ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos