11 ሰብ እቲ ንእግዚኣብሄር ዘቐርቦ መስዋእቲ ምስጋና፥ ድማ ሕጉ እዙይ እዩ፦
ንጉስ ሕዝቅያስ ድማ “ሕዚ ንእግዚኣብሄር ተቐዲስኩም ኢኹም እሞ ቕረቡ። መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ምስጋናን ከዓ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምፅኡ” በለ። እቲ ህዝቢ ኸዓ መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ምስጋናን ኣምፅአ፤ ኵሉ ናይ ልቢ ድሌት ዝነበሮውን ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕረበ።
ነቲ መሰውኢ እግዚኣብሄር ድማ ሓደሶ እሞ፥ ኣብ ልዕሊኡ መስዋእቲ ድሕነትን መስዋእቲ ምስጋናን ሰውአ። ንህዝቢ ይሁዳውን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከገልግልዎ ኣዘዞም።
መስዋእቲ ምስጋና ከቕርብ ተመባፂዐ ነይረ፤ ሎሚ መብፅዓይ ፈፂመ ኣለኹ።
“ንኣኣቶም ዝኸውን መቤዘዊ ንምግባር፥ ንመስዋእቲ ብልዕን ንዝቃፀል መስዋእትን፥ ንመስዋእቲ ምስጋናን፥ ካብቲ ማይ ዘለዎ መውፈሪ እስራኤል፥ ካብ መጓሰ ኻብ ክልተ ሚእቲ፥ ሓንቲ በጊዕ ክትውፈ እያ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
በታ እትስውኡላ መዓልትን ንፅባሒታን ይበላዕ። እቲ ኽሳዕ ሳልሰይቲ መዓልቲ ዝተረፈ ግና ብሓዊ ይቃፀል።
መስዋእቲ ምስጋና ንእግዚኣብሄር ክትስውኡ እንተለኹም ተቐባልነት ከም ዝረክብ ጌርኩም ሰውኡለይ።
ኵሉ ዘይቲ ዝተሓወሶ ወይ ንቑፅ መስዋእቲ እኽሊ ግና፥ ንዅሎም ደቂ ኣሮን ማዕረ ይወሃብ፤ ንዅሎምውን ይኸውን።
ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ እቲ ናይ ምስጋና መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር ዘቕርብ ሰብ፥ ካብቲ ናይ ሰላም መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር የምፅእ።
ዝቃፀል መስዋእትኹምን መስዋእቲ እኽልኹምን እንተ ኣቕረብኩምለይ እኳ፥ ኣይቕበሎን እየ፤ ነቲ ናይ ስቡሕ ከብትኹም መስዋእቲ ምስጋናውን፥ ቈላሕ ኣይብሎን እየ።
ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ ኽልተ ኣብዑርን ሓሙሽተ ማጓሉን ሓሙሽተ ዲበላታትን፥ ዓመት ዝገበሩ ሓሙሽተ ጡቦታት ኣባጊዕን ኣቕረበ። መባእ ናትናኤል ወዲ ሶገር እዙይ እዩ።