10 ኵሉ ዘይቲ ዝተሓወሶ ወይ ንቑፅ መስዋእቲ እኽሊ ግና፥ ንዅሎም ደቂ ኣሮን ማዕረ ይወሃብ፤ ንዅሎምውን ይኸውን።
ብምሸ ሰፈርዎ፤ ነፍሲ ወከፍ እቲ ዝኣኽሎ ደኣ ኣከበ እምበር፥ እቲ ብዙሕ ዝኣከበ ኣየትረፈን፤ እቲ ውሑድ ዝኣከበ ኸዓ ኣየጕደለን።
ሰብ እቲ ንእግዚኣብሄር ዘቐርቦ መስዋእቲ ምስጋና፥ ድማ ሕጉ እዙይ እዩ፦
ኣብ እቶን ዝተሰንከተ ኾነ ኣብ ቍራዕ ዝበሰለ ወይ ኣብ መቝሎ ዝተሰንከተ ዅሉ መስዋእቲ እኽሊ፥ ነቲ ዘቕርቦ ኻህን ይኹን።
ከምቲ ፅሑፍ “ብዙሕ ዝኣከበ ኣየትረፈን፤ ውሑድ ዝኣከበውን፥ ኣየጕደለን” ዝብሎ፥ ኣብዝ እዋን እዙይ፥ እቲ ተረፍኩም ነቲ ጐደሎኦም ክምልእ፥ እቲ ተረፎም ከዓ፥ ነቲ ጐደሎኹም ክምልእ እሞ፥ ማዕረ ምእንቲ ክኸውን ኢለ እየ፥ እዙይ ዝብል ዘለኹ።