7 እቲ ኻህን ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሓጢኣቱ የስተስርየሉ፤ እቲ በዳሊ ዝገበሮ ዅሉ በደል ብእኡ ይቕረ ኽበሃለሉ እዩ።
ክሳዕ ሽሕ ትውልዲ ሕያዋይነቱ ዝሕሉ፥ ዓመፅን ምጥሓስን ሓጢኣትን ይቕረ ዝብል፥ ንበዳሊ ግና ኸም ንፁህ ዘይርኢ፥ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቅን ኣብ ደቂ ደቅን ክሳዕ ሳልሳይን ራብዓይን ትውልዲ ዝቐፅዕ” እናበለ ኣወጀ።
“እምበኣር ንዑ፤ ንዋቐስ” ይብል እግዚኣብሄር “ሓጢኣትኩም ከም ጁዅ እኳ እንተ ቐይሐ፥ ከም በረድ ከፃዕድዎ እየ። ከም ደም እንተ ቐይሐውን፥ ከም ፃዕዳ ፀምሪ ክኸውን እዩ።
ሓጥእውን ካብ ሓጢኣቱ እንተ ተመለሰ፥ ፍትሕን ቅንዕናን ድማ እንተ ገበረ፥ ብህይወት ክነብር እዩ።
ዝኾነ ሰብ ንእግዚኣብሄር ቍርባን እኽሊ ኸቕርብ እንተሎ፥ እቲ መስዋእቱ ኻብ ልሑም ሕሩጭ ይኹን፤ ዘይቲ የፍስሰሉ፤ ዕጣንውን ይግበረሉ፤
ነዝ ዝራብዕ እዙይ ከዓ፥ ከምቲ ነቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ ዝራብዕ ዝገበሮ፥ ከምኡ ይግበሮ። ከምዙይ ገይሩ እቲ ኻህን ሓጢኣቶም የስተስርየሎም፤ ንሳቶምውን ይቕረ ኽበሃለሎም እዩ።
ንዅሉ እቲ ስብሑ ድማ፥ ከምቲ ንስብሒ እቲ ኣብ ልዕሊ መስዋእቲ ምስጋና ዝተሓርደ ዝገበሮ፥ ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ። እቲ ኻህን ድማ ኸምዙይ ገይሩ ሓጢኣቱ የስተስርየሉ፤ ሽዑ ይቕረ ኽበሃለሉ እዩ።
ከምቲ ኻብ መስዋእቲ ምስጋና ዝፍለ ስብሒ ንዅሉ እቲ ስብሒ ይፍለዮ፤ እቲ ኻህን ድማ ንእግዚኣብሄር ባህ ዘብል ጥዑም ጨና ምእንቲ ክኸውን ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ። ከምዙይ ገይሩ እቲ ኻህን ሓጢኣት የስተስርየሉ፤ ሽዑ ኸዓ ሓጢኣቱ ይቕረ ኽበሃለሉ እዩ።
ነታ ኻልአይቲ ኸዓ ኸምቲ ናይ ዝቃፀል መስዋእቲ ስርዓት ገይሩ የቕርባ። እቲ ኻህን ድማ በቲ ዝበደሎ ሓጢኣቱ ኸምዙይ ገይሩ ስርየት ሓጢኣቱ የስተስርየሉ፤ ሽዑ ይቕረ ኽበሃለሉ እዩ።
ካብዝ ነገር እዙይ ብሓዲኡ ንዝበደለ፥ እቲ ኻህን ሓጢኣቱ የስተስርየሉ፤ ሽዑ ይቕረ ኽበሃለሉ እዩ። እቲ ዝተረፈ ድማ ኸምቲ ናይ ቍርባን እኽሊ ንኻህናት ይኹን።
ክንዲ በደል ዝቐርብ መስዋእቲ ኸም ዝገመትካሉ፥ ካብ መጓሰ ኣባጊዕ ጐደሎ ዘይብሉ ናብ ካህን የምፅእ። ስለ እቲ ብዘይ ፍልጠት ዝገበሮ ጌጋ፥ እቲ ኻህን ከምዙይ ገይሩ ሓጢኣቱ የስተስርየሉ። ሽዑ ኸዓ ይቕረ ኽበሃለሉ እዩ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
ነቲ መስዋእቲ በደል ኣብታ ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝሓርዱላ ቦታ ይሕረድዎ። እቲ ደሙ ኸዓ ኣብቲ መሰውኢ ብዅሉ ወገኑ ይነፀግ።
ሓጢኣት ዝሓድግ፥ በደል እቶም ዝተረፉ ርስቱ ዝኾኑ ህዝቢ ዘሕልፍ፥ ከማኻ ዝበለ ኣምላኽ መን እዩ? ምሕረት ይፈቱ እዩሞ፥ ቍጥዓኡውን ንዘለኣለም ኣይዓቍርን።
ስለዙይ ንሰብ ኵሉ ሓጢኣትን ፀርፍን ይሕደገሉ እዩ፤ ንመንፈስ ቅዱስ ዝፀረፈ ግና፥ ኣይሕደገሉን እዩ እብለኩም ኣለኹ።
ከምቲ ንሱ ኣብ ብርሃን ዘሎ፥ ኣብ ብርሃን እንተ ነበርና ግና፥ ንስንሳትና ሕብረት ኣለና፤ ደም ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስውን፥ ካብ ኵሉ ሓጢኣት የንፅሀና እዩ።
ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፥ እግዚኣብሄር እሙንን ፃድቕን ስለ ዝኾነ፥ ንሓጢኣትና ይቕረ ኽብለልና፥ ካብ ኵሉ በደልናውን ከንፅሀና እዩ።