Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሌዋውያን 6:6 - መፅሓፍ ቅዱስ

6 ክንዲ በደሉ ዝቐርብ መስዋእቲ ድማ ኻብ መጓሰ ኣባጊዕ፥ ከም ዝገመትካሉ ጐደሎ ዘይብሉ ማጕላ ኽንዲ በደሉ ዝኸውን መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር ናብ ካህን የምፅእ።

Ver Capítulo Copiar




ዘሌዋውያን 6:6
8 Referencias Cruzadas  

ኣንስቶም ክፈትሑ ኣእዳዎም ሃቡ። ስለ በደሎምውን፥ ካብ መጓሰኦም ሓድሓደ ማጕላ መስዋእቲ ኣቕረቡ።


“በዅራት ፍረ ምድርናን በዅራት ፍረ ኣእዋምን በብዓመት ናብ ቤት እግዚኣብሄር ክነምፅእ ኢና።


እዛ ንሰሜን ኣቢላ ዘላ ኽፍሊ ቤት ድማ፥ ነቶም ኣብታ መሰውኢ ኸገልግሉ ዝነቕሑ ኻህናት እያ፤ ንሳቶም ከገልግልዎ ናብ እግዚኣብሄር ዝቐርቡ፥ ካብ ማእኸል ደቂ ሌዊ፥ ደቂ ሳዶቅ እዮም።


እቲ ኻህን ድማ ነቲ ሓደ ጡበት በጊዕ ምስቲ ሓደ ሲሶ ሊትሮ ዘይቲ ወሲዱ ኽንዲ በደል ይሰውኣዮ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እናወዝወዝካ ኸም ዝቐርብ መስዋእቲ ገይሩ ኸዓ የወፍዮ።


ሓደ ሰብ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ነገር እንተይፈለጠ በደል እንተ በደለ፥ ክንዲ በደሉ መስዋእቲ ዝቐርብ ካብ መጓሰ ኣባጊዕ፥ ብሚዛን ቤተ መቕደስ ዝተገመተ ሰቕሊ ብሩር፥ ጐደሎ ዘይብሉ ማጕላ ንመስዋእቲ በደል ንእግዚኣብሄር የምፅእ።


ክንዲ በደል ዝቐርብ መስዋእቲ ኸም ዝገመትካሉ፥ ካብ መጓሰ ኣባጊዕ ጐደሎ ዘይብሉ ናብ ካህን የምፅእ። ስለ እቲ ብዘይ ፍልጠት ዝገበሮ ጌጋ፥ እቲ ኻህን ከምዙይ ገይሩ ሓጢኣቱ የስተስርየሉ። ሽዑ ኸዓ ይቕረ ኽበሃለሉ እዩ።


ንበጊዕ ዝኣክል ዓቕሚ እንተ ዘይብሉ ኸዓ ኽንዲ እቲ ዝገበሮ በደል ኽልተ ባሪቶ ወይ ክልተ ርግቢ፥ ሓንቲ ምእንቲ ሓጢኣት እትስዋእ፥ ሓንቲ ድማ ንዝቃፀል መስዋእቲ እትኸውን ንእግዚኣብሄር የቕርብ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos