Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሌዋውያን 6:4 - መፅሓፍ ቅዱስ

4 በዝ ኸምዙይ ብምብዳሉ ሓጢኣተኛ እንተ ኾነ፥ ነቲ ዝኸተሮ፥ ወይ ነቲ ዝዓመፆ፥ ወይ ነቲ ዝጠለሞ ሕድሪ፥ ወይ ነቲ ጠፊኡ ዝረኸቦ፥

Ver Capítulo Copiar




ዘሌዋውያን 6:4
20 Referencias Cruzadas  

ኣብርሃም ድማ ብዛዕባ እታ ኣገልገልቲ ኣቢሜሌክ፥ ብሓይሊ ዝሓዝዋ ዒላ ማይ ንኣቢሜሌክ ወቐሶ።


ገራሁኦምን ኣታኽልቲ ወይኖምን ኣዋልዶምን ኣባይቶምን ምለሱሎም፤ ናይቲ እቲ ንስኻትኩም ካብኣቶም ብሃረፃ ዝወሰድኩምዎ ገንዘብን እኽልን ወይንን ዘይትን ከዓ፥ ካብ ሚእቲ ኢድ፥ ሓደ ኢድ በይዛኻትኩም ሎሚ ምለሱሎም” በልክዎም።


እዙይ ድማ ንድኻታት ስለ ዘጥቅዖምን ስለ ዝሓደጎምን፥ ዘይሰርሖ ገዛውቲውን ስለ ዝወሰደን እዩ።


ሰባት ንወሰን ብፃዮም ይደፍእዎ፤ ንመጓሰ ዘሚቶምውን ይጓስይወን።


ፈትሎም ክዳን ኣይኸውንን፤ ብግብሮም ኣይሽፈኑን። ግብሮም ግብሪ ኽፍኣት እዩ፤ ኣብ ኣእዳዎም ድማ ግብሪ ዓመፃ ኣሎ።


ንምስኪንን ንድኻን ዝገፍዕ፥ መንዚዑ ዝወስድ፥ ትሕጃ ዘይመልስ፥ ኣዒንቱ ናብ ጣዖታት ዝጥምት፥ ፅዩፍ ነገር ዝገብር፥


ኣቦኡ ዓመፀኛ ስለ ዝነበረ፥ ንሓዉ መንዚዑ ስለ ዝጐድአ፥ ኣብ ማእኸል ህዝቡ ኸዓ ሰናይ ዘይኮነ ስለ ዝገበረ፥ እንሆ ብበደሉ ኽመውት እዩ።


ንሓደ እኳ እንተ ዘይገፍዐን፥ ንበዓል ዕዳ ትሕጃ እንተ መለሰሉ፥ ንሓደ እኳ እንተ ዘይዓመፀ፥ እንጀራኡ ንጥሙይ እንተ ሃበ፥ ንዕሩቕ ከዓ ኽዳን እንተ ኸደነ፥


እቲ ሓጥእ ትሕጃ እንተ መለሰ፥ ዝዘመቶ እንተ ኸሓሰ፥ ግፍዒ እንተይገበረ ብሕግጋት ህይወት እንተ ተመላለሰ፥ ንሱ ርግፅ ብህይወት ክነብር እምበር፥ ኣይመውትን እዩ።


ናብ ወፃኢ ዓፀድ፥ ናብቲ ኣብ ወፃኢ ዓፀድ ዘሎ ህዝቢ ኽወፁ እንተለዉ፥ ብኣልባሳቶም ነቲ ህዝቢ ኸይቕድስዎስ፥ እቲ ዘገልገሉሉ ኣልባሳት ከውፅእዎ፥ ኣብ ቅዱስ ክፍልታት ቤት ከዓ ኸንብርዎ፥ ካልእ ክዳውንቲ እውን ክኽደኑ እዮም።


ናይ ካልእ ሰብ እንስሳ እንተ ቐተለ ኸዓ፥ ህይወት ክንዲ ህይወት እዩ እሞ፥ ይተክእ።


እንስሳ ዝቐተለውን ይተክአሉ፤ ንሰብ ዝቐተለ ግና ይቀተል።


እቲ ዝራብዕ ብምሉኡ ኻብ ሰፈር ናብ ወፃኢ ናብታ ሓሙዅሽቲ ዝፈሰላ ናብ ንፁህ ቦታ ይውሰዶ። ኣብ ልዕሊ ዕንፀይቲ ገይሩ ብሓዊ የቃፅሎ። ኣብታ ሓሙዅሽቲ ዝጐሓፈላ ቦታ ይቃፀል።


“እዚኣቶም ዓመፃን ዘረፋን ኣብ ኣዳራሻቶም ይእክቡ፤ ቅኑዕ ምስራሕውን ኣይፈልጡን እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።


ገራሁ ይብህጉ፥ ይሕዝዎውን፤ ኣባይቲ ይምነይዎ፥ ይወስድዎውን፤ ንሰብኣይን ንቤቱን፥ ንሰብን ንርስቱን ይምንጥሉ።


በታ መዓልቲ እቲኣ ንዅሎም ጣዖት ዘምልኹን፥ ነቶም ንቤት ጐይታኦም ብዓመፅን ብጥበራን ንዝመልእዋ ኽቐፅዖም እየ።


መሊስኩም፥ እዙይ ድኻም እዩ ብምባል ፂቕ በልኩምሉ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ከቲርኩም ንዝሓዝኩምዎ፥ ሓንካስን ሕሙምን እንስሳ፥ መስዋእቲ ጌርኩም እንትተቕርቡ፥ ካብ ኢድኩም ክቕበል ድየ? ይብል እግዚኣብሄር።


ሓጢኣት ብምግባሩ ይነሳህ። ነቲ ዝወሰዶ ይመልስ፤ ሓምሻይ ኢድውን ወሲኹ፥ ነቲ ዝበደሎ ይሃብ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos