Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሌዋውያን 6:16 - መፅሓፍ ቅዱስ

16 እቲ ኻብኡ ዝተረፈ ድማ ኣሮንን ደቁን ይብልዕዎ። ቅጫ ኾይኑ ኣብ ቅዱስ ቦታ ይበላዕ። ኣብ ቅፅሪ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኮይኖም ይብልዕዎ።

Ver Capítulo Copiar




ዘሌዋውያን 6:16
13 Referencias Cruzadas  

ቆሬ ወዲ ይምና ሌዋዊ፥ ሓላዊ እታ ምብራቓዊት በሪ ኸዓ ነቲ ናብ እግዚኣብሄር ዝቐርብ መባእን ነቲ ንእግዚኣብሄር ዝተወፈየ ውህብቶን ነቲ ብድሌት ንኣምላኽ ዝተሰውአ መባእን፥ ክቕበልን ክዕድልን ተሸመ።


ነቲ ስጋኡ ድማ ብሓዊ ጠቢሶም ብቕጫን መሪር ሓምልን ገይሮም በታ ለይቲ እቲኣ ይብልዕዎ።


ንሳቶም ነቲ መስዋእቲ ብልዕን ነቲ መስዋእቲ ሓጢኣትን መስዋእቲ በደልን ይብልዕዎ፤ እስራኤል ዝሓረምዎ ዘበለውን ንኣኣቶም ይኹን።


እቲ ኻብ መስዋእቲ ቍርባን እኽሊ ዝተረፈ ግና ንኣሮንን ንደቁን ይኹን። እዙይ ካብቲ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ዝቃፀል ቍርባን ዝተወስደ ስለ ዝኾነ ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ።


ካብዝ ነገር እዙይ ብሓዲኡ ንዝበደለ፥ እቲ ኻህን ሓጢኣቱ የስተስርየሉ፤ ሽዑ ይቕረ ኽበሃለሉ እዩ። እቲ ዝተረፈ ድማ ኸምቲ ናይ ቍርባን እኽሊ ንኻህናት ይኹን።


ኵሉ እቲ ኻህን ዘቕርቦ ቝርባን እኽሊ ብምሉኡ ፈፂሙ ይቃፀል፤ ኣይበላዕውን።


እቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስውኦ ካህን ይብልዓዮ፤ ኣብቲ ቅዱስ ቦታ፥ ኣብ ቅፅሪ እቲ መራኸቢ ድንኳን ይበላዕ።


እግዚኣብሄር ድማ ንኣሮን ከምዙይ በሎ፦ “ኣነ ኣብ ልዕሊ እቲ ናባይ ዝቐርብ መስዋእቲ ስልጣን ሂበካ ኣለኹ። ኵሉ እቲ ደቂ እስራኤል ዘቕርቡለይ ቅዱስ መስዋእቲ ኸም ብፅሒትኩም ገይረ ንኣኻን ንደቅኻን ሂበኩም ኣለኹ።


ስለዙይ በቲ ኣረጊት መባዅዕቲ ወይ ብመባዅዕቲ ኽፍኣትን ሕሰምን ዘይኮነ፥ ብዘይበዅዐ ቅጫ፥ ብቕንዕናን ብሓቅን በዓልና ነኽብር።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios