12 እቲ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ዘሎ ሓዊ ዅልሻዕ ይንደድ፤ ኣይጥፋእውን። እቲ ኻህን ከዓ ንግሆ ንግሆ ኣብ ልዕሊኡ ዕንፀይቲ ይወስኸሉ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ የንብር፤ ኣብ ልዕሊኡ ኸዓ ስብሒ መስዋእቲ ምስጋና የቃፅል።
ብዛዕባ እቲ ንመስዋእቲ ዝኸውን ዕንፀይትን ብዛዕባ በዅራትን በቲ ዝተመደበ ጊዜ ኽቐርብ ኣዘዝኩ። ኦ ኣምላኸይ፥ ብፅቡቕ ዘክረኒ!
እዛ ንሰሜን ኣቢላ ዘላ ኽፍሊ ቤት ድማ፥ ነቶም ኣብታ መሰውኢ ኸገልግሉ ዝነቕሑ ኻህናት እያ፤ ንሳቶም ከገልግልዎ ናብ እግዚኣብሄር ዝቐርቡ፥ ካብ ማእኸል ደቂ ሌዊ፥ ደቂ ሳዶቅ እዮም።
ደሓር ክዳውንቱ የውፅእ፤ ካልእ ኽዳውንቲ ድማ ይከደን፤ ነቲ ሓሙዅሽቲ ኸዓ ኻብቲ ሰፈር ናብቲ ንፁህ ዝኾነ ቦታ የውፅኣዮ።
እቲ ሓዊ ዅልሻዕ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ይንደድ፤ ኣይጥፋእውን።
ንኣሮንን ንደቁን ከምዙይ ኢልካ ኣዝዞም፦ ሕጊ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኸምዙይ እዩ፦ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መሰውኢ ዝቃፀል ዕንፀይቲ ምሉእ ለይቲ ኽሳዕ ዝወግሕ ኣብኡ ይኹን፤ እቲ ሓዊ መሰውኢውን ኵልሻዕ ይንደድ።
ሓዊ ኸዓ ኻብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ወፂኡ፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ዝነበረ ዝቃፀል መስዋእትን ነቲ ስብሕታትን በልዖ። ኵሎም እቶም ህዝቢ ምስ ረአይዎ፥ ዕልል በሉ፤ ብግንባሮም ተደፊኦም ድማ ሰገዱ።
ክንድኡ ግና፥ ዘፍርሕ ፍርድን፥ ነቶም ንእግዚኣብሄር ዝፃረሩ ዘንድድ ብርቱዕ ሓዊን ኢና ብራዕዲ እንፅበ።