7 ንበጊዕ ዝኣክል ዓቕሚ እንተ ዘይብሉ ኸዓ ኽንዲ እቲ ዝገበሮ በደል ኽልተ ባሪቶ ወይ ክልተ ርግቢ፥ ሓንቲ ምእንቲ ሓጢኣት እትስዋእ፥ ሓንቲ ድማ ንዝቃፀል መስዋእቲ እትኸውን ንእግዚኣብሄር የቕርብ።
ወዲ ወይ ጓል ወሊዳ መዓልቲታት ምንፅሃ ምስ ኣኸለ፥ ንዝቃፀል መስዋእቲ፥ ዓመት ዝገበረ ጡበት በጊዕ፥ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ ርግቢ ወይ ባሪቶ፥ ናብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ናብቲ ኻህን ተምፅእ።
ንጡበት በጊዕ ዝኣክል ኣብ ኢዳ እንተ ዘይረኸበት ግና፥ ክልተ ባሪቶ ወይ ክልተ ርግቢ፥ ሓንቲ ንዝቃፀል መስዋእቲ፥ ሓንቲ ኸዓ ምእንቲ ሓጢኣት እትስዋእ ተምፅእ። እቲ ኻህን ድማ ሓጢኣታ የስተስርየላ፤ ንሳ ኸዓ ኽትነፅህ እያ።
ከም ዓቕሙ ኸዓ ሓንቲ ኻብ ባሪቶ፥ ወይ ሓንቲ ኻብ ርግቢ ይሰውእ።
ምስቲ መስዋእቲ እኽሊ፥ ከም ዓቕሙ፥ ሓንቲ ኽንዲ ሓጢኣት እትስዋእ፥ ሓንቲ ድማ ንዝቃፀል መስዋእቲ እትኸውን ይሰውእ። እቲ ኻህን ከዓ ነቲ ዝነፅህ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የስተስርየሉ።
እቲ ኻህን ድማ ነታ ሓንቲ ምእንቲ ሓጢኣት፥ ነታ ሓንቲ ኸዓ ንዝቃፀል መስዋእቲ ይሰውኣየን። ካብ ርኽሰታ ምእንቲ ኽትነፅህ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የስተስርየላ።
ካብ ደቂ እስራኤል ድማ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስውኡ ኽልተ ዲበላ፥ ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውን እውን ሓደ ማጕላ ይውሰድ።
እቲ ዝተመባፅዐ ነዙይ ክኸፍል ዘይኽእል ድኻ እንተ ኾይኑ፥ ነቲ ብመብፅዓ ዝተወፈየ ሰብ ኣብ ቅድሚ ኻህን ደው የብሎ። እቲ ኻህን ከዓ ዓቕሙ ሪኡ ዝኽእሎ ዋጋ ይገምግመሉ።
ንኽልተ ባሪቶ ወይ ንኽልተ ርግቢ ዝኸውን ዓቕሚ እንተ ዘይብሉ ግና፥ ስለ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ዝስውኦ፥ ዓስራይ ክፍሊ መስፈሪ ኢፍ ልሑም ሕሩጭ የምፅእ። ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ ስለ ዝኾነ ዘይቲ ኣየፍስሰሉ፤ ዕጣን እውን ኣይግበረሉ።
ሕጊ መስዋእቲ በደል ድማ እዙይ እዩ፦ ንሱ ቅዱሰ ቕዱሳን እዩ።
ንደቂ እስራኤል ከዓ፥ ሎሚ እግዚኣብሄር ክግለፀልኩም እዩሞ፦ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ጤል፥ ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ድማ ዓመት ዝገበሩ ጐደሎ ዘይብሎም ሓደ ጣዕዋን ሓደ ጡበት በጊዕን፥
ንደቂ እስራኤል፥ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ፥ ብዝኾነ መንገዲ፥ ንትእዛዝ እግዚኣብሄር ክተሓላለፍ ሰብ ዝሰርሖ ሓጢኣት እንተ ሰርሐ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰብኣይ እቱይ በደል እንተ ኾነ፥
ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ኽልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ኣናእሽቱ ርግቢ ናብ ኣፍ እቲ መራኸቢ ድንኳን ናብ ካህን የምፅእ።
እቲ ኻህን ድማ ነታ ሓንቲ ኽንዲ ስርየት ሓጢኣት ይሰውኣያ፤ ነታ ኻልአይቲ ኸዓ ንዝቃፀል መስዋእቲ ይሰውኣያ። ንምዉት ብምንካኡ ረኺሱ እዩ እሞ እቲ ኻህን የስተስርየሉ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ርእሱ ይቐድስ።
“እንሆ ኣነ ኸም ኣባጊዕ፥ ናብ ማእኸል ተዃሉ እሰደኩም ኣለኹ፤ ደጊም ከም ተመን ብልህታት፥ ከም ርግቢ ኸዓ የዋሃት ኩኑ።
ኢየሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ፥ ነቶም ኣብ ቤተ መቕደስ ዝሸጡን ዝዕድጉን ዝነበሩ ዅሎም ኣባረሮም። ጠረጴዛታት መሽረፍትን መናብር ሸየጥቲ ርግብንውን ገልበጠ።
ኢየሱስ ምስ ተጠመቐ፥ ሽዑ ንሽዑ ኻብ ማይ ወፀ፤ እንሆ ኸዓ ሰማይ ተኸፈተ፤ መንፈስ እግዚኣብሄር ድማ ኸም ርግቢ ወሪዱ፥ ኣብ ልዕሊኡ እንትቕመጥ ረአየ።
ከምኡውን ኣብ ሕጊ እግዚኣብሄር “ክልተ ባሪቶ ወይ ክልተ ጫቚታት ርግቢ መስዋእቲ የቕርቡሉ” ስለ ዝብል እዩ።
ንምሃብ ድልየት እንተ ደኣ ሃልዩ፥ እቲ ውህብቶ ቕቡል እዩ፤ እንተ ኾነ ኸም ዓቕሙ ደኣ እምበር፥ ልዕሊ ዓቕሙ ክኸውን የብሉን።