Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሌዋውያን 5:3 - መፅሓፍ ቅዱስ

3 ዝኾነ ሰብ ነቲ ብዝኾነ ይኹን ከርክሶ ዝኽእል ኣብ ሰብ ንዘሎ ዘርክስ ነገር እንተ ነኽአ፥ ምስ ተፈለጦ በዳሊ እዩ።

Ver Capítulo Copiar




ዘሌዋውያን 5:3
10 Referencias Cruzadas  

በታ ኣብታ ውሽጣዊት ዓፀድ፥ ኣብ መቕደስ ከገልግል፥ ኣብ መቕደስ ዝኣትወላ መዓልቲ ኸዓ መስዋእቲ ሓጢኣቱ የቕርብ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።


እቲ ኻህን ድማ ነቲ ኣብ ቈርበቱ ዘሎ ቝስሊ ይመርምሮ፤ ኣብቲ ቝስሊ ዘላ ፀጕሪ ፃዕድያ እንተ ፀንሐት፥ እቲ ቝስሊ ኸዓ ኻብ ቈርበቱ ጐድጒዱ እንተ ተርኣየ፥ ሕማም ለምፂ እዩ። እቲ ኻህን ምስ መርመሮ፥ ዝረኸሰ ምዃኑ ይንገር።


ዝኾነ ሰብ እንተይፈለጠ ዝረኸሰ ነገር፥ ገምቢ ዝረኸሰ ኣራዊት፥ ወይ ገምቢ ዝረኸሰ እንስሳ፥ ወይ ገምቢ ዝረኸሰ ብለመምታ ዝንቀሳቐስ እንተ ነኽአ፥ ንሱ ረኺሱ እዩ እሞ ምስ ተፈለጦ በዳሊ እዩ።


ዝኾነ ሰብ ፅቡቕ ወይ ክፉእ ንምግባር፥ ከምቲ ገሊኣቶም ሰባት ብዘይ ምስትውዓል ዝምሕልዎ፥ እንተይፈለጠ እንተ መሓለ፥ ምስ ተፈለጦ ብሓደ ኻብዝ ነገር በዳሊ እዩ።


ሓደ ሰብ ዝረኸሰ ነገር እንተ ነኽአ፥ ኣብ ሰብ ንዘሎ ዘርክስ፥ ወይ ዝረኸሰ እንስሳ ወይ ዝኾነ ፅዩፍ ርኽሰት እንተ ነኽአሞ፥ ካብቲ ንእግዚኣብሄር ዝቐረበ ስጋ መስዋእቲ ምስጋና ከዓ እንተ በልዐ፥ እቲ ሰብ እቱይ ካብ ህዝቡ ይወገድ።


ዘይነፅሀ ሰብ ዝነኽኦ ዅሉ ይረክስ፤ ነቲ ዝረኸሰ ነገር ዝነኽአ ሰብ ድማ ኽሳዕ ምሸት ዝረኸሰ ይኸውን።”


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos