Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሌዋውያን 5:2 - መፅሓፍ ቅዱስ

2 ዝኾነ ሰብ እንተይፈለጠ ዝረኸሰ ነገር፥ ገምቢ ዝረኸሰ ኣራዊት፥ ወይ ገምቢ ዝረኸሰ እንስሳ፥ ወይ ገምቢ ዝረኸሰ ብለመምታ ዝንቀሳቐስ እንተ ነኽአ፥ ንሱ ረኺሱ እዩ እሞ ምስ ተፈለጦ በዳሊ እዩ።

Ver Capítulo Copiar




ዘሌዋውያን 5:2
16 Referencias Cruzadas  

ንስሕተት ዘስተብህለላ መን እዩ? ካብ ዝተሰወረ ሓጢኣት ኣንፅሀኒ።


ኣቱም ናይ እግዚኣብሄር ኣቑሑ እትፆሩ፥ ረሓቑ፤ ረሓቑ፤ ካብኡ ውፁ፤ ርኹስ ነገር ከቶ ኣይትንክኡ፤ ካብ ማእኸላ ውፁ፤ ንፁሃትውን ኩኑ።


ፈንፍንዎም፤ ስጋኦም ኣይትብልዑ፤ ንገምቢኦምውን ኣይትንክእዎ።


እዚኣተን ንኣኻትኩም ርኹሳት እየን እሞ፥ ስጋአን ኣይትብልዑ፤ ገምበንውን ኣይትንክኡ።


ኵሎም ማሕበር ህዝቢ እስራኤል እንተ ሰሓቱ፥ እቲ ነገር ከዓ በቲ ማሕበር እንተ ዘይተፈለጠ፥ ካብቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ኣይትግበርዎ ኢሉ ዝኣዘዞም፥ ሓደ ብምጥሓስ እንተ በደሉ፥


ሓደ ሰብ ካብቲ ዅሉ ኣነ እግዚኣብሄር ኣይትግበርዎ፥ ኢለ ዝኣዘዝክዎ ሓንቲ ብምጥሓሱ እንተ በደለ፥ እንተይፈለጠ እኳ እንተ ኾነ በዲሉ እዩ እሞ ሓጢኣተኛ እዩ።


ዝኾነ ሰብ ነቲ ብዝኾነ ይኹን ከርክሶ ዝኽእል ኣብ ሰብ ንዘሎ ዘርክስ ነገር እንተ ነኽአ፥ ምስ ተፈለጦ በዳሊ እዩ።


ዝኾነ ሰብ ፅቡቕ ወይ ክፉእ ንምግባር፥ ከምቲ ገሊኣቶም ሰባት ብዘይ ምስትውዓል ዝምሕልዎ፥ እንተይፈለጠ እንተ መሓለ፥ ምስ ተፈለጦ ብሓደ ኻብዝ ነገር በዳሊ እዩ።


ሓደ ሰብ ዝረኸሰ ነገር እንተ ነኽአ፥ ኣብ ሰብ ንዘሎ ዘርክስ፥ ወይ ዝረኸሰ እንስሳ ወይ ዝኾነ ፅዩፍ ርኽሰት እንተ ነኽአሞ፥ ካብቲ ንእግዚኣብሄር ዝቐረበ ስጋ መስዋእቲ ምስጋና ከዓ እንተ በልዐ፥ እቲ ሰብ እቱይ ካብ ህዝቡ ይወገድ።


ሽዑ ሓጌ “ሬሳ ብምንካእ ዝረኸሰ ሰብ ካብዚኣቶም እንተ ነኽአኸ ይረክስዶ?” ኢሉ ጠየቖም። እቶም ካህናት ድማ “እወ ይረክስ” ኢሎም መለሱሉ።


ዘይነፅሀ ሰብ ዝነኽኦ ዅሉ ይረክስ፤ ነቲ ዝረኸሰ ነገር ዝነኽአ ሰብ ድማ ኽሳዕ ምሸት ዝረኸሰ ይኸውን።”


ኣቱም መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ከምቲ ሰብ እንተይፈለጠ ረጊፅዎ ዝሓልፍ፥ ዘይረአ መቓብር ኢኹም እሞ ወይለኹም!”


“ ‘ስለዙይ ካብ ማእኸሎም ውፁ፤ ዝተፈለኹም ኩኑ’ ይብል እግዚኣብሄር። ‘ርኹስ ኣይትንክኡ፤ ኣነውን ክቕበለኩም እየ።


ሓሰማ፥ ሸዀናኣ ዝተሰንጠቐ እዩ፤ ግና ኣይተመዅስዕን እያ፤ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ። ስጋኣ ኣይትብልዑ፤ በድናውን ኣይትንክኡ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos