16 በቲ ኣብቲ ቕዱስ ነገር ዝገበሮ ሓጢኣት ይኽሓስ፤ ሓምሻይ ኣፍ ከዓ ይወስኸሉ፤ ንኻህን ድማ ይሃቦ። እቲ ኻህን ከዓ በቲ ኽንዲ በደል ዝስዋእ ማጕላ ገይሩ ሓጢኣቱ የስተስርየሉ፤ ሽዑ ይቕረ ኽበሃለሉ እዩ።
እቶም ብኸንቱ ዝፀልኡኒ ካብ ፀጕሪ ርእሰይ በዝሑ፤ ብዓመፅ ዘሳጕጉኒ ፀላእተይ በርትዑ፤ ዘይወሰድክዎ ኽምልስ እኳ ግዲ ዀነኒ።
“ሓደ ሰብ ብዕራይ ወይ በጊዕ ሰሪቑ እንተ ሓረደ፥ ወይ እንተ ሸጠ፥ ክንዲ ሓደ ብዕራይ ሓሙሽተ ብዕራይ፥ ክንዲ ሓንቲ በጊዕ ድማ ኣርባዕተ ኣባጊዕ ይኽሓስ።
ዝኾነ ሰብ ብዘይ ምፍላጥ ካብቲ ዝተቐደሰ እንተ በልዐ፥ ኣብ ልዕሊኡ ሓምሻይ ኢድ ወሲኹ ነቲ ዝተቐደሰ ንኻህን ይሃቦ።
ክብይዘዎ እንተ ደለየ ድማ ሓምሻይ ኢድ ናይቲ ዋጋኡ ወሲኹ ይቤዘዎ።
እቲ ገዛኡ ንእግዚኣብሄር ክኸውን ዝሃባ፥ መሊሱ ኽዕድጋ እንተ ደለየ ኣብቲ ዋጋኣ ሓምሻይ ኢድ ይወስኽ እሞ ናቱ ትኹን።
በዅሪ ዝረኸሰ እንስሳ እንተ ኾነ ግና፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ዋጋኡ ሓምሻይ ኢድ ወሲኹ ይዓድጎ። እንተ ዘይዓደጎ ግና ብዋጋኡ ይሸየጥ።
ሰብ ነቲ ዓስራት ክቢዘዎ እንተ ደለየ፥ ኣብ ልዕሊ ዋጋኡ ሓምሻይ ኢድ ወሲኹ ይቤዘዎ።
ነዝ ዝራብዕ እዙይ ከዓ፥ ከምቲ ነቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ ዝራብዕ ዝገበሮ፥ ከምኡ ይግበሮ። ከምዙይ ገይሩ እቲ ኻህን ሓጢኣቶም የስተስርየሎም፤ ንሳቶምውን ይቕረ ኽበሃለሎም እዩ።
ንዅሉ እቲ ስብሑ ድማ፥ ከምቲ ንስብሒ እቲ ኣብ ልዕሊ መስዋእቲ ምስጋና ዝተሓርደ ዝገበሮ፥ ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ። እቲ ኻህን ድማ ኸምዙይ ገይሩ ሓጢኣቱ የስተስርየሉ፤ ሽዑ ይቕረ ኽበሃለሉ እዩ።
ነታ ኻልአይቲ ኸዓ ኸምቲ ናይ ዝቃፀል መስዋእቲ ስርዓት ገይሩ የቕርባ። እቲ ኻህን ድማ በቲ ዝበደሎ ሓጢኣቱ ኸምዙይ ገይሩ ስርየት ሓጢኣቱ የስተስርየሉ፤ ሽዑ ይቕረ ኽበሃለሉ እዩ።
ካብዝ ነገር እዙይ ብሓዲኡ ንዝበደለ፥ እቲ ኻህን ሓጢኣቱ የስተስርየሉ፤ ሽዑ ይቕረ ኽበሃለሉ እዩ። እቲ ዝተረፈ ድማ ኸምቲ ናይ ቍርባን እኽሊ ንኻህናት ይኹን።
በቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ካብ መጓሰኡ ምእንቲ ሓጢኣት እትስዋእ ሓንቲ በጊዕ ወይ ሓንቲ ጤል ንእግዚኣብሄር የቕርብ። እቲ ኻህን ከዓ ንኣኣ ሰዊኡ ሓጢኣቱ የስተስርየሉ።
ነቲ መስዋእቲ በደል ኣብታ ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝሓርዱላ ቦታ ይሕረድዎ። እቲ ደሙ ኸዓ ኣብቲ መሰውኢ ብዅሉ ወገኑ ይነፀግ።
ሓጢኣት ብምግባሩ ይነሳህ። ነቲ ዝወሰዶ ይመልስ፤ ሓምሻይ ኢድውን ወሲኹ፥ ነቲ ዝበደሎ ይሃብ።
ግና እቲ ዝተበደለ ሰብ እንተ ሞተ፥ ወራሲ ዘይብሉ ድማ እንተ ኾነ፥ እቲ ገንዘብ ካሕሳ ናይ እግዚኣብሄር ስለ ዝኾነ ነቲ ኻህን ይኹን። ምስቲ ኽንዲ ሓጢኣት ዝሕረድ ማጕላ ገይሩ ንኻህን ይሃቦ።
ዘኬዎስ ከዓ ተሲኡ ንጐይታ “ኦ ጐይታ! እንሆ ፍርቂ ጥሪተይ፥ ንድኻታት እህብ፤ ዝዓመፅክዎ እንተ ሃልዩውን ኣርባዕተ ዕፅፊ እፈድዮ” በሎ።
እኳ ደኣ፥ ክንስሁን ናብ እግዚኣብሄር ክምለሱን፥ ከም ዝተነስሁ ዘርኢ ግብሪ ኽገብሩን፥ ቅድም ኣብ ደማስቆ፥ ደሓር ኣብ ኢየሩሳሌምን፥ ኣብ ኵላ ሃገር ይሁዳን፥ ከምኡ ኸዓ ንኣህዛብ ወንጌል ሰበኽኩ።
ንሳቶም ድማ “ንታቦት ኣምላኽ እስራኤል እንተ ሰደድኩምዎ፥ ጥራሑ ኣይትስደድዎ፤ መስዋእቲ በደል ደኣ ምለሱሉ፤ ሽዑ ኽትፍወሱ ኢኹም፤ ብብርቱዕ ዝቐፅዐኩምውን ብምንታይ ምኽንያት ምዃኑ ኽፍለጠኩም እዩ” ኢሎም መለሱሎም።