Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሌዋውያን 5:12 - መፅሓፍ ቅዱስ

12 ናብቲ ኻህን ድማ የምፅኣዮ፤ እቲ ኻህን ከዓ ብምሉኡ ናብ እግዚኣብሄር ከም ዝተሰውአ ምእንቲ ኸርኢ ኻብኡ ብሓደ ኢዱ ዓዂቱ፥ ኣብ መሰውኢ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ዝግበር መስዋእቲ የቃፅሎ። እዙይ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ እዩ።

Ver Capítulo Copiar




ዘሌዋውያን 5:12
15 Referencias Cruzadas  

ነቲ ናይ ውሽጢ ኣካላቱን ኣእጋሩን ግና ብማይ ይሕፀቦ፤ እቲ ኻህን ድማ ብምሉኡ የቕርቦ፤ ኣብ መሰውኢ ኸዓ የቃፅሎ። እዝ ብሓዊ ዝቐርብ መስዋእቲ፥ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ጨና እዩ።


በኽናፉ ይጭደዶ፤ ግና ኣይፈላልዮ፤ እቲ ኻህን ከዓ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መሰውኢ፥ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ዘሎ ዕንፀይቲ የቃፅሎ። እዝ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ፥ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ጨና እዩ።


እቲ ሰብኣይ ነቲ ናይ ውሽጢ ኣካላቱን ኣእጋሩን ብማይ ይሕፀቦ፤ እቲ ኻህን ድማ ነቲ ዅሉ ዝቃፀል መስዋእቲ ናይ ሓዊ ቝርባን ገይሩ ብእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና ንክኸውን ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ የቃፅሎ።


እቲ ኻህን ከዓ ኻብቲ ሕሱይ እኽልን ካብቲ ዘይትን ምስ ኵሉ ዕጣን ገይሩ ንመዘከርታ የቃፅሎ፤ እዙይ ንእግዚኣብሄር ናይ ሓዊ ቝርባን እዩ።


ናብቶም ካህናት፥ ደቂ ኣሮን የምፅኣዮ። እቲ ኻህን ድማ ኻብቲ ዘይትን ዕጣንን ዝተሓወሶ ልሑም ሕሩጭ ብሓደ ኢዱ ዓዂቱ፥ ብምሉኡ ኸም ዝተሰውአ ምእንቲ ኸርኢ ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ። እዝ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ ቍርባን፥ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና እዩ።


እቲ ኻህን ድማ ኻብቲ ቝርባን እኽሊ ንመዘከርታ ዝኸውን ኣልዒሉ፥ ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ። ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ፥ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና እዩ።


እቲ ኻህን ድማ ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ። እዙይ፥ ብሓዊ ተቓፂሉ ንእግዚኣብሄር ዝቐርብ መስዋእቲ ብልዒ እዩ።


ክልቲኡ ዅላሊት ምስቲ ኣብ ዙርያኡ ኣብ ጥቓ ሽምጢ ዘሎ ስብሕን ምስቲ ኣብ ጥቓ ዅላሊት ዘሎ ስብሒ ኸብድን ፈልዩ የቕርብ።


ከምቲ ንስብሒ እቲ ኣብ መስዋእቲ ምስጋና ዝሕረድ ጡበት በጊዕ ዝወስድዎ፥ ንዅሉ እቲ ስብሒ ይውሰዶ፤ እቲ ኻህን ከዓ ኣብ ልዕሊ እቲ ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝግበር ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ። እቲ ኻህን ከምዙይ ገይሩ ሓጢኣቱ የስተስርየሉ፤ ሽዑ ይቕረ ኽበሃለሉ እዩ።


ንኽልተ ባሪቶ ወይ ንኽልተ ርግቢ ዝኸውን ዓቕሚ እንተ ዘይብሉ ግና፥ ስለ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ዝስውኦ፥ ዓስራይ ክፍሊ መስፈሪ ኢፍ ልሑም ሕሩጭ የምፅእ። ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ ስለ ዝኾነ ዘይቲ ኣየፍስሰሉ፤ ዕጣን እውን ኣይግበረሉ።


ካብዝ ነገር እዙይ ብሓዲኡ ንዝበደለ፥ እቲ ኻህን ሓጢኣቱ የስተስርየሉ፤ ሽዑ ይቕረ ኽበሃለሉ እዩ። እቲ ዝተረፈ ድማ ኸምቲ ናይ ቍርባን እኽሊ ንኻህናት ይኹን።


እቲ ኻህን ካብኡ፥ ካብቲ ናይ ቍርባን እኽሊ ልሑም ሕሩጭ ብሓደ ኢዱ ዓዂቱ የልዕል፤ ካብ ዘይቲ ድማ ምስቲ ኣብ ልዕሊ ቝርባን እኽሊ ዘሎ ዅሉ ዕጣን ገይሩ ንመዘከሪ ንእግዚኣብሄር ባህ ዘብል ጥዑም ጨና ምእንቲ ክኸውን ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ።


ሽዑ እቲ ኻህን ካብቲ መስዋእቲ እኽሊ ንመዘከርታ ብኽልተ ኢዱ ሓፊኑ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ የቃፅሎ፤ ብድሕሪኡ ነታ ሰበይቲ እቲ ማይ የስትያ።


ብፍርሒ ናብኡ እናጠመተ ኸዓ “እንታይ እዩ ጐይታይ?” በሎ። እቲ መልኣኽ ድማ “ፀሎትካን ምፅዋትካን፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንመዘከርታ ዓሪጉ እዩ፤


ከምቲ ክርስቶስ ዘፍቀረና፥ ምዑዝ ዝሽታኡ መባእን መስዋእትን ገይሩ፥ ንባዕሉ ምእንታና ኣሕሊፉ ዝሃበ፥ ንስኻትኩምውን ብፍቕሪ ተመላለሱ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos