1 ዝኾነ ሰብ ቃል ማሕላ ሰሚዑ ንሱ ብዝረአዮ ወይ ብዝፈለጦ ምስክር ኮይኑ እንተ ዘይገለፆ ብእኡ ሓጢኣት ገይሩ እዩሞ፥ በደሉ ይፀውር።
እቲ ንጉስ ድማ “ብስም እግዚኣብሄር ክትዛረበኒ እንተለኻ፥ ሓቂ ጥራሕ እምበር፥ ካልእ ኣይትዛረበኒ። ኣነ ኽንደይ ሻዕ ከምሕለካ እየ?” በሎ።
“ሰብ ንብፃዩ እንተ በደሎ እሞ፥ ‘መሓል’ እንተ በልዎ፥ ንሱ ኸዓ ናብ ቅድሚ መሰውኢኻ ኽምሕል እንተ መፀ፥
እቲ ንጉስ ድማ “ብስም እግዚኣብሄር ክትዛረበኒ እንተለኻ፥ ሓቂ ጥራሕ እምበር ካልእ ከይትዛረበኒ፥ ኣነ ኽንደይ ሻዕ ከምሕለካ እየ?” በሎ።
ሓጢኣተይ ኣብ ልዕሊ ርእሰይ ልዕል ልዕል ኢሉ እዩሞ፥ ከም ከቢድ ሸኽሚውን ኣብ ልዕለይ የመና ኸቢዱኒ እዩ።
እቲ በዓል ሕድሪ፥ ገንዘብ ብፃዩ ኸም ዘይወሰደ፥ ብስም እግዚኣብሄር ይምሓል እሞ፥ እቲ ኣብ መንጎ ኽልቲኦም ዝነበረ ነገር ይወዳእ፤ እቲ በዓል ዋና፥ ነቲ ማሕላ ይቀበል፤ ካሕሳ ግና ኣይቀበል።
እቲ ምስ ሰራቒ ዝሓብር፥ ንነፍሱ ይፀልኣ፤ መርገምውን ይሰምዕ፤ ግና ሓደ እኳ ኣይገልፅን።
ድሕሪ ድኻም ነፍሱ፥ ብርሃን ክርኢ፥ ደስውን ክብሎ እዩ፤ እቲ ፃድቕ ባርያይ፥ ብፍልጠቱ ንብዙሓት ከፅድቕ፥ ሓጢኣቶም ድማ፥ ባዕሉ ኽፀውር እዩ።
እታ ምድሪ ብኣመንዝራታት መሊኣ ኣላ፤ ካብ መርገም ዝተልዓለ እታ ምድሪ ትበኪ ኣላ፤ መጓሰዪታት በረኻ ነቐፁ፤ ኣካይዳኦም ክፉእ እዩ፤ ብርተዐኦምውን ቅኑዕ ኣይኮነን።
እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ እያ እትመውት፤ ውሉድ፥ ሓጢኣት ወላዲኡ ኣይፀውርን፤ ወላዲውን፥ ሓጢኣት ውሉዱ ኣይፀውርን እዩ፤ ፅድቂ እቲ ፃድቕ፥ ኣብ ርእሱ እዩ ዝኸውን።
እንሆ ዅለን ነፍሳት ናተይ እየን፤ ከምታ ነፍሲ እቲ ወላዲ፥ ከምኡውን ነፍሲ እቲ ውሉድ ናተይ እያ። እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ፥ ንሳ ኽትመውት እያ።
ክዳውንቱ እንተ ዘይሓፀበ፥ ሰብነቱ እውን እንተ ዘይተሓፀበ ግና ሓጢኣቱ ኽፀውር እዩ።
እቲ ዝበልዖ ድማ፥ እቲ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ኣርኪሱ እዩሞ፥ ሓጢኣቱ ኽስከም እዩ፤ ካብ ህዝቡ ኸዓ ይወገድ።
ዝኾነ ሰብ ንጓል ኣቦኡ ወይ ንጓል እኖኡ ሓፍቱ ዝኾነት እንተ ኣእተወ፥ ሕፍረታ ድማ እንተ ቐልዐ ንሳውን ሕፍረቱ እንተ ቐልዐት፥ እዙይ ነውሪ እዩ እሞ፥ ኣብ ቅድሚ ህዝቦም ይቀተሉ። ንሱ ሕፍረት ቐሊዑ እዩሞ ሓጢኣቱ ኽስከም እዩ።
ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦ ዝኾነ ሰብ፥ እግዚኣብሄር ኣይትግበርዎ ኢሉ ኻብ ዝኣዘዞ፥ ሓንቲ ብምጥሓሱ ብዘይ ምፍላጥ ሓጢኣት እንተ ገበረ ኸምዙይ ይግበር፦
ሓደ ሰብ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ነገር እንተይፈለጠ በደል እንተ በደለ፥ ክንዲ በደሉ መስዋእቲ ዝቐርብ ካብ መጓሰ ኣባጊዕ፥ ብሚዛን ቤተ መቕደስ ዝተገመተ ሰቕሊ ብሩር፥ ጐደሎ ዘይብሉ ማጕላ ንመስዋእቲ በደል ንእግዚኣብሄር የምፅእ።
ሓደ ሰብ ካብቲ ዅሉ ኣነ እግዚኣብሄር ኣይትግበርዎ፥ ኢለ ዝኣዘዝክዎ ሓንቲ ብምጥሓሱ እንተ በደለ፥ እንተይፈለጠ እኳ እንተ ኾነ በዲሉ እዩ እሞ ሓጢኣተኛ እዩ።
ካብቲ ንመስዋእቲ ምስጋና ዝተሓርደ ስጋ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ እንተ ተበልዐ፥ እቲ መስዋእቲ ቕቡል ኣይኮነን፤ ዝረኸሰ ስለ ዝኾነ፥ ፍንፉን ይኸውን እምበር፥ ነቲ ዘቕረቦ ሰብ ቅቡል ኮይኑ ኣይቝፀረሉን እዩ። እቲ ኻብኡ ዝበልዐ ሰብ ከዓ ሓጢኣቱ ይሽከም።
ግና ዝኾነ ሰብ ንፁህ እንተሎ፥ መገሻውን ዘይከደ እንተሎ፥ ፋሲካ እንተ ዘየብዓለ፥ መባእ እግዚኣብሄር በቲ ምዱብ ጊዜ ስለ ዘየቕረበ፥ ካብ ህዝቡ ይፈለ። እቲ ሰብ እቱይ ሓጢኣቱ ኽፀውር እዩ።
ኢየሱስ ግና ኣይመለሰሉን። እቲ ሊቀ ካህናት ከዓ “ንስኻ ክርስቶስ ወዲ እግዚኣብሄር እንተ ዄንካስ፥ ክትነግረና በቲ ህያው እግዚኣብሄር ኣማሕፅነካ ኣለኹ!” በሎ።
ንሓጢኣት ሞይትና፥ ንፅድቂ ምእንቲ ኽንነብር፥ ንሱ ባዕሉ፥ ንሓጢኣትና በቲ ኣብ መስቀል ዝተሰቕለ ሰብነቱ ፆሮ፤ ብቝስሉ ኢኹም ዝሓወኹም።
ንኖኡ ድማ “ሽሕን ሚእትን ቅርሺ ብሩር ምስ ተወስደኪ፥ ነቲ ዝወሰደልኪ ሰብ ኣነ ብእዝነይ እናሰማዕኹኺ ረጊምክዮ፤ እቲ ብሩር እንሆ ምሳይ ኣሎ፤ ኣነ እየ ዝወሰድክዎ” በላ። እኖኡ ኸዓ “ወደይ፥ እግዚኣብሄር ይባርኽካ” በለቶ።