9 ከምኡ ኸዓ ኽልቲኡ ዅላሊትን ኣብ ዙርያኡ ኣብ ጥቓ ሽምጢ ዘሎ ስብሕን፥ እቲ ኣብ ጥቓ ዅላሊት ዘሎ ስብሒ ኸብድን የልዕል።
ነቲ ናይ ውሽጢ ኣካላት ዝጕልብብ ቃንጡጥን ኣብ ልዕሊ ኸብዲ ዘሎ ስብሕን፥ ንኽልቲኡ ዀላሊትን፥ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ስብሕን፥ ብምሉኡ ወሲድካ ኣብ መሰውኢ ኣሕርሮ።
ክልቲኡ ዅላሊት ምስቲ ኣብ ዙርያኡ ኣብ ጥቓ ሽምጢ ዘሎ ስብሕን ምስቲ ኣብ ጥቓ ዅላሊት ዘሎ ስብሒ ኸብድን ፈልዩ የቕርብ።
ከምቲ ኻብቲ ንመስዋእቲ ምስጋና ዝሕረድ ዝራብዕ፥ ዝለዓል ከምኡ የልዕል። ነዙይ እቲ ኻህን ኣብቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝቐርበሉ መሰውኢ የቃፅሎ።