Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሌዋውያን 4:8 - መፅሓፍ ቅዱስ

8 ካብቲ ምእንቲ ስርየት ሓጢኣት ዝተሰውአ ዝራብዕ ኵሉ ስብሒ፥ እቲ ንናይ ውሽጢ ኣካላት ከብዲ ዝኸድን ስብሕን እቲ ኣብ ናይ ውሽጢ ኣካላት ከብዲ ዘሎ ስብሕን የልዕል።

Ver Capítulo Copiar




ዘሌዋውያን 4:8
12 Referencias Cruzadas  

“እግዚኣብሄር ግና ብስቓይ ከድቅቖ ፈቐደ፤ ነፍሱ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ምስ ወፈየ፥ ዘርኡ ኽርኢ ዕድሚኡውን ክነውሕ እዩ፤ ፍቓድ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ብኢዱ ኽፍፀም እዩ።


እቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ ስብሒ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ የቃፅሎ።


ንዅሉ እቲ ስብሑ ድማ ኻብኡ ኣልዒሉ ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ።


ነዝ ዝራብዕ እዙይ ከዓ፥ ከምቲ ነቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ ዝራብዕ ዝገበሮ፥ ከምኡ ይግበሮ። ከምዙይ ገይሩ እቲ ኻህን ሓጢኣቶም የስተስርየሎም፤ ንሳቶምውን ይቕረ ኽበሃለሎም እዩ።


ንዅሉ እቲ ስብሑ ድማ፥ ከምቲ ንስብሒ እቲ ኣብ ልዕሊ መስዋእቲ ምስጋና ዝተሓርደ ዝገበሮ፥ ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ። እቲ ኻህን ድማ ኸምዙይ ገይሩ ሓጢኣቱ የስተስርየሉ፤ ሽዑ ይቕረ ኽበሃለሉ እዩ።


ከምቲ ኻብ መስዋእቲ ምስጋና ዝፍለ ስብሒ ንዅሉ እቲ ስብሒ ይፍለዮ፤ እቲ ኻህን ድማ ንእግዚኣብሄር ባህ ዘብል ጥዑም ጨና ምእንቲ ክኸውን ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ። ከምዙይ ገይሩ እቲ ኻህን ሓጢኣት የስተስርየሉ፤ ሽዑ ኸዓ ሓጢኣቱ ይቕረ ኽበሃለሉ እዩ።


ከምቲ ንስብሒ እቲ ኣብ መስዋእቲ ምስጋና ዝሕረድ ጡበት በጊዕ ዝወስድዎ፥ ንዅሉ እቲ ስብሒ ይውሰዶ፤ እቲ ኻህን ከዓ ኣብ ልዕሊ እቲ ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝግበር ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ። እቲ ኻህን ከምዙይ ገይሩ ሓጢኣቱ የስተስርየሉ፤ ሽዑ ይቕረ ኽበሃለሉ እዩ።


“ሕዝስ ነፍሰይ ተጨኒቓ ኣላ፤ እንታይ እሞ ኽብል እየ? ‘ኣቦ! ካብዛ ሰዓት እዚኣ ኣድሕነኒ’ ግና፥ ምእንቲ እዙይ እንድየ ዝመፃእኹ፥ ናብዛ ሰዓት እዚኣውን ዝበፃሕኹ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos