3 እቲ ሓጢኣት ዝገበረ፥ ዝተቐብአ ካህን እንተ ኾይኑ፥ እሞ በዙይ ነቲ ህዝቢ በደል ክቝፀረሎም እንተ ገበረ፥ ስለ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ንእግዚኣብሄር ጐደሎ ዘይብሉ ዝራብዕ መስዋእቲ የቕርብ።
ምእንቲ መንግስትን ምእንቲ ቤተ መቕደስን ምእንቲ ህዝቢ ይሁዳን ናይ ሓጢኣት መስዋእቲ ሸውዓተ ኣብዑርን፥ ሸውዓተ ማጓሉን፥ ሸውዓተ ጡበታትን፥ ሸውዓተ ዲበላታትን ኣቕረቡ። ኣብቲ መሰውኢ እግዚኣብሄር ክስውእዎም ድማ፥ ነቶም ካህናት ደቂ ኣሮን ኣዘዞም።
እቶም ኣብ ምርኮ ነይሮም ዝመፁ ምሩኻት ንኣምላኽ እስራኤል ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕረቡሉ፤ ዓሰርተ ኽልተ ዝራብዓት ስለ ዅሎም እስራኤል፥ ተስዓን ሽዱሽተን ማጓሉ፥ ሰብዓን ሸውዓተን ጡቦታት፥ ዓሰርተ ኽልተ ዲበላታት ድማ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ኣቕረቡ። እዝ ዅሉ ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ ነበረ።
ናይቲ ዝራብዕ ስጋን ቈርበትን ፈርስን ግና፥ ክንዲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ ስለ ዝኾነ፥ ካብቲ ሰፈር ኣውፂእኻ ብሓዊ ኣቃፅሎ።
ካብቲ ኣብ መሰውኢ ዘሎ ደምን፥ ካብቲ ዘይቲ መቕብእን ወሲድካ ድማ፥ ኣብ ኣሮንን ኣብ ኣልባሱን፥ ኣብ ደቁን ኣብ ኣልባስ ደቁን ንፀጎ። ሽዑ ንሱን ኣልባሱን ኣልባስ ደቁን ክቕደሱ እዮም።
መቕብኢ ዘይቲ ወሲድካ ድማ ናብ ርእሱ እናፍሰስካ ቕብኣዮ።
ኣሮን ብደም እቲ ንስርየት ሓጢኣት ዝሕረድ እንስሳ ገይሩ ነቲ ኣቕርንቱ እናለኸየ ነቲ መሰውኢ ይቐድሶ። እዙይ ኣብ ዓመት ሓደ ጊዜ ዝግበር፥ ንውሉድ ወለዶ ዝኸውን እዩ። እዝ መሰውኢ እዙይ ንእግዚኣብሄር ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ።”
ኣብ ደገ እታ ገበላ ኸዓ ዝቃፀል መስዋእትን፥ መስዋእቲ ሓጢኣትን መስዋእቲ በደልን፥ ዝሓርዱሉ ኽልተ ሰደቓ በዙይ፥ ክልተ ሰደቓ ድማ በቱይ ነበሩ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ነቶም ከገልግሉኒ ኢሎም ዝቐርቡኒ፥ ካብ ዘርኢ ሳዶቅ ዝኾኑ ሌዋውያን ካህናት፥ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ዝኸውን ዝራብዕ ክትህቦም ኢኻ፤’
በታ ኣብታ ውሽጣዊት ዓፀድ፥ ኣብ መቕደስ ከገልግል፥ ኣብ መቕደስ ዝኣትወላ መዓልቲ ኸዓ መስዋእቲ ሓጢኣቱ የቕርብ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
እቲ መስዋእቲ ኻብ ጤለ በጊዕ እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ካብ ኣባጊዕ ወይ ካብ ኣጣል፥ ጐደሎ ዘይብሉ ተባዕታይ ንዝቃፀል መስዋእቲ የቕርብ።
እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኻብ ከፍቲ እንተ ኾይኑ፥ ጐደሎ ዘይብሉ ተባዕታይ ይኹን፤ ኣነ ምእንቲ ኽቕበሎ ኸዓ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን የቕርቦ።
ኣሮን ከዓ ነቲ ምእንቲ ሓጢኣቱ ዝስዋእ ዝራብዕ የቕርቦ፤ ሓሪዱ ድማ ንባዕሉን ንቤተሰቡን የስተስሪ።
ኣሮን ናብ ቤተ መቕደስ ክኣቱ እንተሎ፥ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዝራብዕ፥ ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውን ከዓ ሓደ ማጕላ ሒዙ ይእቶ።
ካብ ደቂ እስራኤል ድማ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስውኡ ኽልተ ዲበላ፥ ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውን እውን ሓደ ማጕላ ይውሰድ።
ኣሮን ከዓ ነቲ ምእንቲ ሓጢኣቱ ዝስዋእ ዝራብዕ የቕርቦ፤ ንባዕሉን ንስድራኡን ድማ የስተስሪ።
እቲ ዝገበርዎ ሓጢኣት ምስ ተፈልጠ፥ እታ ማሕበር ክንዲ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዝራብዕ ተቕርብ፤ ናብ እቲ መራኸቢ ድንኳን ከዓ የምፅእዎ።
ሓጢኣት ከም ዝገበረ ምስ ተፈለጦ፥ ንመስዋእቲ ዝኸውን ካብ ኣጣሉ ሓደ ተባዕታይ ጐደሎ ዘይብሉ ጤል የምፅእ።
ሓጢኣት ከም ዝገበረ ምስ ተፈለጦ፥ ምእንቲ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣቱ ንመስዋእቲ እትኸውን፥ ጐደሎ ዘይብላ ኣንስተይቲ ጤል የምፅእ።
እቲ ቕቡእ ካህን ድማ ኻብ ደም እቲ ዝራብዕ ወሲዱ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን የእትዎ።
በቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ካብ መጓሰኡ ምእንቲ ሓጢኣት እትስዋእ ሓንቲ በጊዕ ወይ ሓንቲ ጤል ንእግዚኣብሄር የቕርብ። እቲ ኻህን ከዓ ንኣኣ ሰዊኡ ሓጢኣቱ የስተስርየሉ።
ካብ ደቂ ኣሮን ተባዕታይ ዝኾነ ዅሉ ይብልዓዮ። እዙይ ካብቲ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእትታት ንውሉድ ወለዶኹም ናይ ዘለኣለም ግደኦም ይኹን። ነፍሲ ወከፍ ዝነኽኦውን ቅዱስ ይኸውን።
ናብ ርእሲ ኣሮን ድማ ኻብቲ መቕብኢ ዘይቲ ኣፍሰሰሉ፤ ምእንቲ ኽቕድሶ ኸዓ ቐብኦ።
ንኣሮን ከዓ ኸምዙይ በሎ፦ “ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ፥ ጐደሎ ዘይብሉ ተባዕታይ ጣዕዋን፥ ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውን፥ ጐደሎ ዘይብሉ ሓደ ማጕላን ወሲድካ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕርቦም።
ንደቂ እስራኤል ከዓ፥ ሎሚ እግዚኣብሄር ክግለፀልኩም እዩሞ፦ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ጤል፥ ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ድማ ዓመት ዝገበሩ ጐደሎ ዘይብሎም ሓደ ጣዕዋን ሓደ ጡበት በጊዕን፥
ሽዑ ንሳቶም “ኦ ኣምላኽ! ኣምላኽ ናይ ነፍሳት ዅሉ ሰብ፥ ሓጢኣት ዝገበረስ ሓደ ሰብኣይ እዩ፤ ንዅሉ ኣኼባዶ ትቝጥዖ ኢኻ?” እናበሉ ብገምበሮም ተደፍኡ።
ድሕሪዙይ ሓደ ዝራብዕን ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ናይ እኽሊ መስዋእትን ይውሰዱ። ንስኻ ኸዓ ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ኻልእ ዝራብዕ ውሰድ።
ብስጋ ስለ ዝደኸመ፥ ሕጊ ኽገብሮ ዘይከኣለ፥ እግዚኣብሄር ንወዱ ብምስሊ ሓጢኣተኛ ስጋን፥ መስዋእቲ ሓጢኣትን ክኸውን ልኢኹ፥ ነቲ ሓጢኣት ብስጋኡ ዀነኖ።
ንሕና ብክርስቶስ፥ ተኻፈልቲ ፅድቂ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽንከውን፥ ነቲ ሓጢኣት ዘይብሉ፥ ንእኡ ከም ሓጢኣት ገበሮ።
ሰለዙይ ድማ ኸምቲ ምእንቲ ህዝቢ፥ ከምኡውን ምእንቲ ርእሱ፥ ናይ ሓጢኣት መስዋእቲ ኸቕርብ ይግብኦ።
ደም ኣጣልን ዝራብዓትን ሒዙ ዘይኮነስ፥ ብናይ ባዕሉ ደም፥ ናይ ዘለኣለም ድሕነት ረኺቡ፥ ሓደ ጊዜ ንሓዋሩ፥ ናብታ ቕድስተ ቅዱሳን ኣተወ።