2 ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦ ዝኾነ ሰብ፥ እግዚኣብሄር ኣይትግበርዎ ኢሉ ኻብ ዝኣዘዞ፥ ሓንቲ ብምጥሓሱ ብዘይ ምፍላጥ ሓጢኣት እንተ ገበረ ኸምዙይ ይግበር፦
ኣቢሜሌክ ድማ ንኣብርሃም ፀዊዑ “እዝ ዝገበርካና እንታይ እዩ? ኣባይን ኣብ መንግስተይን ዓብዪ ሓጢኣት ኣምፂእኻልና ኔርካ። እንታይ በዲለካ ነይረ እየ? ዘይግበር ግብሪ ኢኻ ዝገበርካኒ” በሎ።
ንስሕተት ዘስተብህለላ መን እዩ? ካብ ዝተሰወረ ሓጢኣት ኣንፅሀኒ።
ናይ ድፍረት ሓጢኣት ከይገዝአኒ ንኣይ ንባርያኻ ሓልወኒ፤ ሽዑ ፍፁም ክኸውን እየ፤ ካብቲ ዓብዪ ሓጢኣትውን ክነፅህ እየ።
ንስጋኻ ብሓጢኣት ከየስሕቶ ንኣፍካ ሓርነት ኣይትሃቦ፤ ኣብ ቅድሚ መልኣኽውን ስሕተት እዩ ነይሩ ኣይትበል። ስለ ምንታይከ እግዚኣብሄር ብቓልካ ኽቝጣዕን ንግብሪ ኣእዳውካ ኸጥፍኦን እትደሊ?
ዝኾነ ሰብ ብዘይ ምፍላጥ ካብቲ ዝተቐደሰ እንተ በልዐ፥ ኣብ ልዕሊኡ ሓምሻይ ኢድ ወሲኹ ነቲ ዝተቐደሰ ንኻህን ይሃቦ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
ኵሎም ማሕበር ህዝቢ እስራኤል እንተ ሰሓቱ፥ እቲ ነገር ከዓ በቲ ማሕበር እንተ ዘይተፈለጠ፥ ካብቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ኣይትግበርዎ ኢሉ ዝኣዘዞም፥ ሓደ ብምጥሓስ እንተ በደሉ፥
ሓደ ሹም ሓጢኣት እንተ ገበረ፥ እንተይፈለጠውን ኻብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኣይትግበር ኢሉ ዝኣዘዞ ጥሒሱ እንተ በደለ፥
ካብ ህዝቢ እታ ሃገር ሓደ ሰብ፥ እንተይፈለጠ ሓጢኣት እንተ ሰርሐ፥ ካብቲ እግዚኣብሄር ኣይትግበርዎ ኢሉ ዝኣዘዞ ጥሒሱውን እንተ በደለ፥
ብዘይ ምፍላጥ ሰብ ዝቐተለ ሃዲሙ ዝዕቈበለን ከተማታት ፍለዩ።
ብዛዕባ ቐታሊ ነፍሲ ዝግበር እዙይ እዩ፦ “ናብኣተን ዝሃድም ቐታሊ ሰብ ዝድሕን ከዓ፥ ቅድም ኢሉ ፅልኢ ዘይነበሮ እሞ ብዘይ ምፍላጥ ንብፃዩ እንተ ቐተለ እዩ።
ኣነ ቐደም ስም ጐይታ ዝፀርፍን፥ ዘሳጕጉን፥ ዝገፍዕን፥ እንተ ነበርኩ እኳ፥ ሰኣን ፍልጠትን፥ ሰኣን ምእማንን፥ ነዙይ ስለ ዝገበርክዎ፥ ምሕረት ረኸብኩ።
ንሱ ባዕሉ ድኽመት ዘለዎ ስለ ዝኾነ፥ ነቶም ዘይፈልጡን ዝተጋገዩን ክርህርሀሎም ይኽእል እዩ።
ኣብቲ ኻልኣይ ክፍሊ ግና፥ እቲ ሊቀ ካህናት ጥራሕ ኣብ ዓመት ሓደ ሻዕ ይኣቱ፤ ግና እቲ ምእንቲ ርእሱን፥ ምእንቲ እቶም ህዝቢ ዝገበርዎ ሓጢኣትን፥ ዘቕርቦ ደም እንተይሓዘ ኣይኣቱን።
ካብ ሓደ ኣፍ፥ ምስጋናን መርገምን ይወፅእ። ኣሕዋተይ፥ ከምዙይ ክኸውን ኣይግባእን እዩ።
ዮናታን ግና ኣቦኡ ነቶም ህዝቢ ኸምሕሎም እንተሎ ኣይሰምዐን ነበረ እሞ፥ ጫፍ እታ ኣብ ኢዱ ዝነበረት በትሪ፥ ናብቲ ወለላ መዓር ጠምዐ፤ ካብኡ ኸዓ በልዐ፤ ኣዒንቱ ድማ በርሃ።