18 ካብቲ ደም ከዓ ኣብ ኣቕርንቲ እቲ ኣብ ቅድሚ እቲ መራኸቢ ድንኳን ዘሎ መሰውኢ ይግበር። ነቲ ዝተረፈ ደም ከዓ ኣብ እግሪ እቲ ኣብ ቅድሚ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ዘሎ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝቐርበሉ መሰውኢ የፍስሶ።
ሽዑ ነቶም ኣብዑር ሓረድዎም፤ ካህናት ድማ ነቲ ደም ተቐቢሎም ናብቲ መሰውኢ ነፀግዎ፤ ነቶም ማጓሉውን ሓረድዎም፤ ነቲ ደምውን ናብ መሰውኢ ነፀግዎ።
ካብ ደም እቲ ዝራብዕ ወሲድካ ድማ፥ በፃብዕትኻ ነቲ ኣቕርንቲ መሰውኢ ልኸዮ፤ ነቲ ዝተረፈ ደም ከዓ፥ ኣብ እግሪ እቲ መሰውኢ ኣፍስሶ።
ኣሮን ብደም እቲ ንስርየት ሓጢኣት ዝሕረድ እንስሳ ገይሩ ነቲ ኣቕርንቱ እናለኸየ ነቲ መሰውኢ ይቐድሶ። እዙይ ኣብ ዓመት ሓደ ጊዜ ዝግበር፥ ንውሉድ ወለዶ ዝኸውን እዩ። እዝ መሰውኢ እዙይ ንእግዚኣብሄር ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ።”
እቲ ኻህን ድማ ኻብቲ ደም እቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝሕረድ ጤል በፃብዕቱ ይውሰድ፤ ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝቐርበሉ ኣቕርንቲ መሰውኢ ይልከዮ። ነቲ ዝተረፈ ደም ከዓ ኣብ እግሪ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝቐርበሉ መሰውኢ የፍስሶ።
እቲ ኻህን ድማ ኻብ ደማ በፃብዕቱ ወሲዱ፥ ኣብ ልዕሊ ቐርኒ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝቐርበሉ መሰውኢ ይግበር፤ ነቲ ዅሉ ደም ከዓ ኣብ እግሪ መሰውኢ የፍስሶ።
እቲ ኻህን ድማ ኻብ ደም እታ ምእንቲ ሓጢኣት እትስዋእ፥ በፃብዕቱ ወሲዱ ኣብ ልዕሊ ቐርኒ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝቐርበሉ መሰውኢ ይግበር፤ ነቲ ዝተረፈ ደማ ኣብቲ እግሪ መሰውኢ የፍስሶ።
እቲ ኻህን ድማ ኣብ ውሽጢ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘሎ ምዑዝ ዕጣን ኣብ ዝዓጥነሉ ቐርኒ መሰውኢ ኻብቲ ደም ይልከዮ። እቲ ዝተረፈ ደም ዝራብዕ ኸዓ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ዘሎ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝቐርበሉ መሰውኢ የፍስሶ።
ካብ ደም ናይቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ እንስሳ፥ ጐድኒ መሰውኢ ይንፀግ፤ ነቲ ዝተረፈ ደም ከዓ ኣብ እግሪ መሰውኢ የፍስሶ። እዙይ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ እዩ።
ደሙ ንስርየት ሓጢኣት ኣብ መቕደስ፥ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ዝኣቱ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ ኵሉ መስዋእቲ፥ ብሓዊ ይቃፀል እምበር ኣይበላዕ።
ሙሴ ድማ፥ ነቲ ደም ወሲዱ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣቕርንቲ መሰውኢ ኣብ ዙርያኡ በፃብዑ ቐብኦ እሞ፥ ነቲ መሰውኢ ኣንፅሆ። ነቲ ደም ከዓ ኣብ እግሪ እቲ መሰውኢ ኣፍሰሶ። ከስተስርየሉ ድማ ኣንፅሆን ቀደሶን።
ደቁ ድማ ነቲ ደም ኣቕረቡሉ፤ ንሱ ኸዓ ኣፃብዕቱ ኣብቲ ደም ጠሚዑ ኣቕርንቲ መሰውኢ ለኸየ። ነቲ ዝተረፈ ደም ከዓ ኣብ እግሪ እቲ መሰውኢ ኣፍሰሶ።