16 እቲ ዝተቐብአ ኻህን ድማ ኻብ ደም እቲ ዝራብዕ ወሲዱ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን የምፅኣዮ።
እቶም ዓበይቲ እቲ ኣኼባ ኸዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ዝራብዕ የንብሩ፤ እቲ ዝራብዕ ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይተሓረድ።
እቲ ኻህን ኣፃብዕቱ ኣብቲ ደም ጠሚዑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ናብ ቅድሚ እቲ መጋረጃ ሸውዓተ ሻዕ ይንፀጎ።