15 እቶም ዓበይቲ እቲ ኣኼባ ኸዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ዝራብዕ የንብሩ፤ እቲ ዝራብዕ ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይተሓረድ።
ነቶም ክንዲ ሓጢኣት ዝስውኡ ዲበላታት ድማ ናብ ቅድሚ ንጉስን ህዝብን ኣቕረብዎም፤ ኣእዳዎም ከዓ ኣብ ልዕሊኣቶም ኣንበሩ።
እግዚኣብሄር ከዓ ንሙሴ፥ “ንስኻን ኣሮንን ናዳብን ኣብዩድን ሰብዓ ኻብ ዓበይቲ እስራኤልን ኴንኩም፥ ናብቲ ኣነ ዘለኹዎ እምባ ደይቡ፤ ኣብ ርሑቕ ኴንኩም ድማ ስገዱ።
ሙሴ፥ ኣሮን፥ ናዳብ፥ ኣብዩድ፥ ካብ ዓበይቲ እስራኤል ድማ ሰብዓ ኾይኖም፥ ናብቲ እምባ ደየቡ።
እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኻብ ከፍቲ እንተ ኾይኑ፥ ጐደሎ ዘይብሉ ተባዕታይ ይኹን፤ ኣነ ምእንቲ ኽቕበሎ ኸዓ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን የቕርቦ።
ኣብ ርእሲ እቲ ንዝቃፀል መስዋእቲ ክኸውን ኢሉ ዘምፅኦ እንስሳ ኢዱ የንብር፤ ንሱ ሓጢኣቱ ኸስተስርየሉ ቕቡል መስዋእቲ ክኸውን እዩ።
ኣሮን ድማ ኽልቲኡ ኢዱ ኣብ ርእሲ እቲ ብህይወት ዘሎ ዲበላ የንብር እሞ፥ ንዅሉ ኽፍኣት ደቂ እስራኤልን ንዅሉ በደሎምን ንዅሉ ሓጢኣቶምን ኣብ ልዕሊኡ ይናዘዝ፤ ኣብ ርእሲ እቲ ዲበላ ከዓ የፁሮ፤ በቲ ነዙይ ዝተመደበ ኢድ ሰብኣይ ገይሩ ድማ ንምድረ በዳ ይውሰዶ።
እቲ ዝተቐብአ ኻህን ድማ ኻብ ደም እቲ ዝራብዕ ወሲዱ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን የምፅኣዮ።
ነቲ ዝራብዕ ናብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የምፅኣዮ፤ ኢዱውን ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ዝራብዕ የንብር፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ይሕረዶ።
ሙሴ ነቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ ዝራብዕ ኣቕረቦ፤ ኣሮንን ደቁን ከዓ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ኽንዲ ሓጢኣት ዝስዋእ ዝራብዕ ኣንበሩ።
ሙሴ ድማ ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውን ማጕላ ኣቕረቦ። ኣሮንን ደቁን ከዓ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ማጕላ ኣንበሩ።
ሙሴ ንቕድስና ዝኸውን ካልእ ማጕላ ኣቕረበ። ኣሮንን ደቁን ድማ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ማጕላ ኣንበሩ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ካብ ዓበይቲ እስራኤል፥ ካብቶም ኣብ ህዝቢ ዓበይትን ሓለቓታትን ከም ዝኾኑ ንስኻ እትፈልጦም፥ ሰብዓ ሰባት ኣክበለይ። ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ከዓ ኣምፅኣዮም፤ ኣብኡ ምሳኻ ደው ኣብሎም።
እግዚኣብሄር ከዓ ብደመና ወሪዱ ንሙሴ ተዛረቦ፤ ካብቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ መንፈስ ወሲዱ ኸዓ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰብዓ ዓበይቲ ኣሕደረ። እቲ መንፈስ ኣብ ልዕሊኣቶም ምስ ዓረፈ ድማ ተነበዩ፤ ደጊሞም ግና ኣይተናገሩን።
ንሌዋውያን ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕርቦም፤ ደቂ እስራኤል ከዓ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊኣቶም የንብሩሎም።
“ሌዋውያን ድማ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቶም ዝራብዓት ኣእዳዎም የንብሩ፤ ንሌዋውያን ምእንቲ መስተስረዪ ኸዓ፥ እቲ ሓደ ንሓጢኣት መስዋእቲ፥ እቲ ኻልኣይ ከዓ ንዝቃፀል መስዋእቲ ጌርካ፥ ንእግዚኣብሄር ኣቕርብ።