Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሌዋውያን 3:3 - መፅሓፍ ቅዱስ

3 ካብቲ መስዋእቲ ምስጋና፥ ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ ገይሩ ንእግዚኣብሄር የቕርብ፤ ንናይ ውሽጢ ኣካላቱ ዝኸድን ስብሕን ኣብ ኣምዑት ዘሎ ዅሉ ስብሕን፥

Ver Capítulo Copiar




ዘሌዋውያን 3:3
25 Referencias Cruzadas  

ልቦም ከም ፀባ ረግአ፤ ኣነ ግና ብሕግኻ እሕጐስ ኣለኹ።


ነቲ ናይ ውሽጢ ኣካላት ዝጕልብብ ቃንጡጥን ኣብ ልዕሊ ኸብዲ ዘሎ ስብሕን፥ ንኽልቲኡ ዀላሊትን፥ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ስብሕን፥ ብምሉኡ ወሲድካ ኣብ መሰውኢ ኣሕርሮ።


“ኣብ ምቕባል ክህነት ዝሕረድ ማጕላ ስለ ዝኾነ፥ ስብሒ፥ እቲ ማጕላ ሕልሕል፥ ንናይ ውሽጢ ኣካላት ዝጕልብብ ቃንጡጥ፥ ስብሒ ኸብዲ፥ ክልቲኡ ዀላሊት፥ ኣብ ልዕሊ ዀላሊት ዘሎ ስብሒ፥ የማናይ እግሪ ውሰድ።


ወደይ፥ ልብኻ ሃበኒ፤ ኣዒንትኻ ድማ መንገደይ ይፍተዋ።


ቀፂሉ ኸዓ “ምእንቲ በዒንቶም ከይሪኡ፥ በእዛኖም ከዓ ኸይሰምዑ፥ ብልቦምውን ከየስተውዕሉ፥ ከይምለሱ እሞ ኸይሓውዩስ፥ ንልቢ እዝ ህዝቢ እዙይ ድፈኖ፤ ነእዛኖም ኣፅምመን፤ ነዒንቶምውን ኣዐምተን” በለኒ።


ሓድሽ ልቢ ድማ ኽህበኩም፥ ሓድሽ መንፈስ ከዓ ኸሕድረልኩም፥ ናይ እምኒ ልቢ ኻብ ስጋኹም ከውፅእ፥ ናይ ስጋ ልቢውን ክህበኩም እየ።


“እቶም ደቂ እስራኤል ካባይ ክርሕቑ እንተለዉ፥ ንምሕላው መቕደሰይ እተፀምዱ፥ ካብ ወገን ሌዋውያን ዝኾኑ ኻህናት ደቂ ሳዶቅ ከገልግሉኒ ኢሎም ክቐርቡኒ፥ ስብሕን ደምን ክስውኡለይ፥ ኣብ ቅድመይ ዝቖሙ እዚኣቶም እዮም” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።


በብብልዕቱ ምስ ርእሱን ስብሑን ይቝረፆ፤ እቲ ኻህን ከዓ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ተረብሪቡ ኣብ ዘሎ ዕንፀይቲ ይስርዓዮ።


እቶም ካህናት፥ ደቂ ኣሮን ከዓ ነቲ በብብልዕቱ ዝተቘራረፀ ስጋ፥ ምስ ናይ ርእስን ስብሕን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ፥ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ተረብሪቡ ኣብ ዘሎ ዕንፀይቲ ይስርዕዎ።


እቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ ስብሒ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ የቃፅሎ።


እቲ ኻህን ድማ ኸም መስዋእቲ ብልዒ ንጥዑም ጨና ኣብ መሰውኢ ብሓዊ የቃፅሎ። ኵሉ ስብሒ ናይ እግዚኣብሄር እዩ።


ኢዱ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ዝስዋእ እንስሳ የንብር፤ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ድማ ይሕረዶ። ነቲ ደሙ ኸዓ እቶም ካህናት ደቂ ኣሮን፥ ኣብቲ መሰውኢ ብዅሉ ወገኑ ይንፀግዎ።


ክልቲኡ ዅላሊት ምስቲ ኣብ ዙርያኡ ኣብ ጥቓ ሽምጢ ዘሎ ስብሕን ምስቲ ኣብ ጥቓ ዅላሊት ዘሎ ስብሒ ኸብድን ፈልዩ የቕርብ።


ከምቲ ኻብቲ ንመስዋእቲ ምስጋና ዝሕረድ ዝራብዕ፥ ዝለዓል ከምኡ የልዕል። ነዙይ እቲ ኻህን ኣብቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝቐርበሉ መሰውኢ የቃፅሎ።


ነቲ ናባይ ብሓዊ ዝቐርብ መስዋእቲ በእዳዉ የምፅኣዮ። እቲ ሓኸለ ናባይ እናወዝወዝካ ኸም ዝቐርብ መስዋእቲ ምእንቲ ኽቐርብስ፥ ነቲ ስብሑን ሓኸለኡን የምፅአዮ።


እቲ ኻህን ድማ ነዝ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ዝቐርብ መስዋእቲ ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ፤ እዙይ ክንዲ በደል ዝቐርብ መስዋእቲ እዩ።


ናይቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ እንስሳ ስብሕን ኵላሊትን ቃንጡጥ ከብድን ግና ኸምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣቃፀሎ።


“ንስኻትኩም ግና ኣዒንትኹም ይሪኣ፤ ኣእዛንኩምውን ይሰምዓ ኣለዋ እሞ ብፁኣን ኢኹም።


እታ ተስፋ ድማ ኣይተሕፍርን እያ፤ በቲ ዝተውሃበና መንፈስ ቅዱስ፥ ፍቕሪ እግዚኣብሄር ኣብ ልብና መሊኡ እዩ እሞ።


ደጊም ንሓጢኣት ከይንግዛእ፥ እቲ ሓጥእ ሰብነትና ምእንቲ ኽሰዓር፥ እቲ ኣረጊት ሰብነትና፥ ምስኡ ኸም ዝተሰቕለ ንፈልጥ ኢና።


ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብምሉእ ልብኹምን ብምሉእ ነፍስኹምን ምእንቲ ኽተፍቅርዎ እሞ ብህይወት ክትነብሩስ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንኣኻትኩምን ንዘርእኹምን ዝእዘዝ ልቢ ኽህበኩም እዩ።


ነቲ ስብሒ ገና ኸየሕረርዎ እንተለዉውን፥ ሓሽከር እቲ ኻህን ናብቲ ሰዋኢ ሰብ መፂኡ “እቲ ኻህን ጥረ ስጋ ደኣ እምበር፥ ዝበሰለ ስጋ ኻባኻ ኣይወስድን እዩ እሞ፥ ዝጥበስ ስጋ ሃበኒ” ይብሎ ነበረ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos