Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሌዋውያን 3:13 - መፅሓፍ ቅዱስ

13 ኢዱ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ጤል ኣንቢሩ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ መራኸቢ ድንኳን ይሕረዶ። ደቂ ኣሮን ከዓ ነቲ ደም ኣብቲ መሰውኢ ብዅሉ ወገኑ ይንፀግዎ።

Ver Capítulo Copiar




ዘሌዋውያን 3:13
15 Referencias Cruzadas  

ከምኡ ኸዓ ንብዙሓት ኣህዛብ ከደንቕ እዩ፤ እቶም ብዙሓት ነገስታትውን፥ ተነጊርዎም ዘይፈልጥ ስለ ዝሪኡ፥ ሰሚዖምዎ ዘይፈልጡውን ስለ ዘስተውዓሉ፥ ኣብ ቅድሚኡ፥ ኣፎም ክሕዙ እዮም።”


ኵላትና ኸም ዝተበታተና ኣባጊዕ ጠፋእና፤ ነፍሲ ወከፍ ነናብ መንገዱ ዘምበለ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ንበደል ኵላትና፥ ኣብ ልዕሊኡ ኣንበሮ።”


ኣብ ርእሲ እቲ ንዝቃፀል መስዋእቲ ክኸውን ኢሉ ዘምፅኦ እንስሳ ኢዱ የንብር፤ ንሱ ሓጢኣቱ ኸስተስርየሉ ቕቡል መስዋእቲ ክኸውን እዩ።


እቲ መስዋእቲ፥ ጤል እንተ ኾይኑ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የቕርቦ፤


ካብቲ መስዋእቲ ነቲ ናይ ውሽጣዊ ኣካላት ከብዲ ዝኸድን ስብሕን፥ ነቲ ኣብ ውሽጣዊ ኣካላት ከብዲ ዘሎ ዅሉ ስብሕን፥ ንኽልቲኡ ዅላሊት ምስቲ ኣብ ዙርያኡ ኣብ ጥቓ ሽምጢ ዘሎ ስብሕን፥ ነቲ ኻብ ጥቓ ዅላሊት ዝፈልዮ ስብሒ ኸብድን፥ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ የቕርብ።


ኢዱ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ዝስዋእ እንስሳ ኣንቢሩ ኣብ ቅድሚ እቲ መራኸቢ ድንኳን ይሕረዶ። ነቲ ደሙ ድማ ደቂ ኣሮን ኣብቲ መሰውኢ ብዅሉ ወገኑ ይንፀግዎ።


ንሕና ብክርስቶስ፥ ተኻፈልቲ ፅድቂ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽንከውን፥ ነቲ ሓጢኣት ዘይብሉ፥ ንእኡ ከም ሓጢኣት ገበሮ።


ናብቲ ናይ ሓድሽ ኪዳን ማእኸላይ መተዓረቒ ዝኾነ ኢየሱስን፥ ናብቲ ኻብ ደም ኣቤል ብዝበለፀ ዝዛረብ፥ ምንዛሕ ደምን ኢኹም በፂሕኹም ዘለኹም።


እግዚኣብሄር ኣብ፥ ኣቐዲሙ ብዝወሰኖ ዝሓረየኩም፥ ንኢየሱስ ክርስቶስ እዙዛት ክትኮኑን፥ ብምንዛሕ ደሙ ኸዓ፥ ምእንቲ ኽትነፅሁን፥ ብመንፈስ ቅዱስ ንዝተቐደስኩም፥ ፀጋን ሰላምን ይብዝሐልኩም።


ንሓጢኣት ሞይትና፥ ንፅድቂ ምእንቲ ኽንነብር፥ ንሱ ባዕሉ፥ ንሓጢኣትና በቲ ኣብ መስቀል ዝተሰቕለ ሰብነቱ ፆሮ፤ ብቝስሉ ኢኹም ዝሓወኹም።


ክርስቶስውን ናብ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኸቕርበና፥ ፃድቕ እንተሎ ምእንቲ ሓጥኣን ሓንሳእ ንሓዋሩ መከራ ተቐቢሉ ሞተ። ብስጋ ሞተ፤ ብመንፈስ ግና ህያው ኮነ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos