Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሌዋውያን 3:1 - መፅሓፍ ቅዱስ

1 እቲ ቝርባን መስዋእቲ ምስጋና እንተ ኾይኑ፥ ካብ መጓሰ ኸፍቲ ጐደሎ ዘይብሉ፥ ተባዕታይ ወይ ኣንስተይቲ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የቕርብ።

Ver Capítulo Copiar




ዘሌዋውያን 3:1
29 Referencias Cruzadas  

ሽዑ ዳዊት ኣብኡ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ነደቐ፤ ዝቃፀል መስዋእትን፥ መስዋእቲ ምስጋናን ከዓ ኣቕረበ፤ ናብ እግዚኣብሄር ድማ ተማህለለ። እግዚኣብሄርውን መልሲ ሃቦ፤ ካብ ሰማይ ሓዊ ወሪዱ ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ በልዖ።


“ካብ መሬት ዝተሰርሐ መሰውኢ ግበረለይ፤ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ኣባጊዕኻን ኣብዑርካን ዝቃፀል መስዋእትኻን፥ መስዋእቲ ድሕነትካን ሰውእ። ስመይ ክዝከር ኣብ ዝገበርኩሉ ዅሉ ቦታ ናባኻ መፂአ ኽባርኸካ እየ።


ሽዑ ሙሴ ኣጕባዝ ደቂ እስራኤል ሰደደ፤ ንሳቶም ከዓ ዝቃፀል መስዋእቲ ሰውኡ፤ ካብ ዝራብዓት ድማ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ምስጋና ኣቕረቡ።


እዙይ ኣሮንን ደቁን ካብ ደቂ እስራኤል ዝቕበልዎ ብፅሒት ንዘለኣለም ሕጊ ይኹን። እዝ ብፅሒት እዙይ፥ ካብቲ ደቂ እስራኤል ዘቕርቡለይ ዝለዓል መስዋእቲ ምስጋና እዩ።


መስዋእቲ ምስጋና ከቕርብ ተመባፂዐ ነይረ፤ ሎሚ መብፅዓይ ፈፂመ ኣለኹ።


እዘን መዓልቲታት እዚኣተን ምስ ተፈፀማ፥ በታ ሻምነይቲ መዓልትን ብድሕሪኣን፥ እቶም ካህናት ኣብቲ መሰውኢ ንዝቃፀል መስዋእቲ፥ ንመስዋእቲ ምስጋናኹምን ከቕርቡ እዮም፤ ኣነውን ባህ ኢሉኒ ክቕበለኩም እየ” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።


“ንኣኣቶም ዝኸውን መቤዘዊ ንምግባር፥ ንመስዋእቲ ብልዕን ንዝቃፀል መስዋእትን፥ ንመስዋእቲ ምስጋናን፥ ካብቲ ማይ ዘለዎ መውፈሪ እስራኤል፥ ካብ መጓሰ ኻብ ክልተ ሚእቲ፥ ሓንቲ በጊዕ ክትውፈ እያ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።


እቲ መስዋእቲ ኻብ ጤለ በጊዕ እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ካብ ኣባጊዕ ወይ ካብ ኣጣል፥ ጐደሎ ዘይብሉ ተባዕታይ ንዝቃፀል መስዋእቲ የቕርብ።


እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኻብ ከፍቲ እንተ ኾይኑ፥ ጐደሎ ዘይብሉ ተባዕታይ ይኹን፤ ኣነ ምእንቲ ኽቕበሎ ኸዓ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን የቕርቦ።


ስለዙይ ደቂ እስራኤል ነቲ ኣብ በረኻ ኽስውእዎ ዝሓርድዎ ዝነበሩ መስዋእቶም፥ ናብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ናብ ካህን የምፅእዎ፤ ንእግዚኣብሄር ከዓ መስዋእቲ ምስጋና የቕርቡ።


እቲ ንእግዚኣብሄር ዘቕርቦ መስዋእቲ ምስጋና፥ ካብ በጊዕ እንተ ኾይኑ፥ ጐደሎ ዘይብሉ ተባዕታይ ወይ ኣንስተይቲ የቕርብ።


ነቲ ዝራብዕን ነቲ ማጕላን ድማ ምእንቲ ህዝቢ ንመስዋእቲ ምስጋና ሓረዶም። ደቁ ኸዓ ነቲ ደም ኣምፅኡሉ፤ ንሱ ድማ ኣብቲ መሰውኢ ብዅሉ ዙርያኡ ነፀጎ።


ንመስዋእቲ ምስጋና ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን፥ ዘይቲ ዝፈሰሶ መስዋእቲ እኽልን ወሲድኩም፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰውኡ በሎም።”


ዝቃፀል መስዋእትኹምን መስዋእቲ እኽልኹምን እንተ ኣቕረብኩምለይ እኳ፥ ኣይቕበሎን እየ፤ ነቲ ናይ ስቡሕ ከብትኹም መስዋእቲ ምስጋናውን፥ ቈላሕ ኣይብሎን እየ።


ኣነ ዓብዪ ንጉስ እየሞ፥ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፤ ስመይውን ኣብ ኣህዛብ ዝተፈርሐ እዩሞ፥ እቲ ‘ካብ መጓሰኡ ተባዕታይ እንስሳ ኽህብ እየ’ ኢሉ ተመባፂዑ፤ ጐደሎ ዘለዎ እንስሳ ንጐይታ ዝስውእ ርጉም ይኹን።”


ማእዲ እግዚኣብሄር ዝተንዓቐ እዩ ብምባልኩም እዩ። ዕዉር፥ ሓንካስ ወይ ሕሙም እንስሳ ንመስዋእቲ ምቕራብ ክፉእዶ ኣይኮነን? ዝሓንከሰን ዝሓመመን እንትተቕርቡ፥ እዙይ ክፉእዶ ኣይኮነን? እስኪ እዙይ ንመራሒኻ ኣቕርበሉ፤ ይሕጐሰልካዶ? ወይ ከዓ ኣብ ቅድሚኡዶ ሞገስ ክትረክብ ኢኻ?” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።


ንምፍፃም መብፅዓ ወይ ንመስዋእቲ ምስጋና ኢልካ፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ወይ መስዋእቲ ሕሩድ ጌርካ ዝራብዕ ንእግዚኣብሄር እንተ ኣቕረብካ፥


ንሱ ድማ ንዝቃፀል መስዋእቲ ጐደሎ ዘይብሉ፥ ዓመት ዝገበረ ጡበት በጊዕ፥ ምእንቲ ስርየት ሓጢኣት እትስዋእ ጐደሎ ዘይብላ፥ ዓመት ዝገበረት በጊዕ፥ ንመስዋእቲ ምስጋና ጐደሎ ዘይብሉ ማጕላ፥ ምስኡ ኸዓ ኻብ ልሑም ሕሩጭ ብዘይቲ ዝተለወሰ ዘይበዅዐ ቕጫታትን፥ ዘይቲ ዝተለኽየ ዘይበዅዐ ረቀቕቲ ቕጫታትን ዝሓዘ ሓደ መሶብ፥ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ንእግዚኣብሄር የቕርበሉ።


ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ ኽልተ ኣብዑርን ሓሙሽተ ማጓሉን ሓሙሽተ ዲበላታትን፥ ዓመት ዝገበሩ ሓሙሽተ ጡቦታት ኣባጊዕን፥ ኣቕረበ። መባእ ነኣሶን ወዲ ኣሚናዳብ እዙይ እዩ።


ንመስዋእቲ ምስጋና ዝኾኑ ኽልተ ኣብዑርን ሓሙሽተ ማጓሉን ሓሙሽተ ዲበላታትን ዓመት ዝገበሩ ሓሙሽተ ጡበታት ኣባጊዕን ኣቕረበ። መባእ ገማልኤል ወዲ ፍዳሱር እዙይ እዩ።


ነቲ ዝቃፀል መስዋእትኹም፥ ስጋኡን ደሙን፥ ኣብ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ሰውእዎ፤ እቲ ደም መስዋእቲ ሕሩድኩም ድማ ኣብ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ይፍሰስ፤ ነቲ ስጋ ኸዓ ብልዕዎ።


እግዚኣብሄር፥ በቲ ወዱ ኣብ መስቀል፥ ዘፍሰሶ ደም ገይሩ ሰላም ገበረ፤ ነቲ ዅሉ ኣብ ምድሪ ዘሎን፥ ኣብ ሰማያት ዘሎን፥ ምስ ባዕሉ ዓረቖ።


ኻብ ክፉእ ሕሊና ምእንቲ ኽንነፅህ፥ ልብና ተነፂግና፥ ሰብነትና ብንፁህ ማይ ሓፂብና፥ ብቕኑዕ ልብን ብሙሉእ እምነትን፥ ናብ እግዚኣብሄር ንቕረብ።


ምሳና ሕብረት ምእንቲ ኽህልወኩም፥ ነቲ ዝረአናዮን ዝሰማዕናዮን፥ ንኣኻትኩም ንነግረኩም ኣለና። ሕብረትናውን፥ ምስ ኣብን ምስ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስን እዩ።


ሽዑ ዅሎም ደቂ እስራኤልን ኵሉ ህዝብን ናብ ቤቴል ደዪቦም በኸዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተቐሚጦም ክሳዕ ምሸት ፆሙ። ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ድሕነትን ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕረቡ።


ንፅባሒቱ ኸዓ ኣንጊሆም ተስኡ፤ ኣብኡ መሰውኢ ነዲቖም ድማ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣቕረቡ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos