8 እቲ ዝተመባፅዐ ነዙይ ክኸፍል ዘይኽእል ድኻ እንተ ኾይኑ፥ ነቲ ብመብፅዓ ዝተወፈየ ሰብ ኣብ ቅድሚ ኻህን ደው የብሎ። እቲ ኻህን ከዓ ዓቕሙ ሪኡ ዝኽእሎ ዋጋ ይገምግመሉ።
ፅልግልግ ምስ በለ ድማ፥ ናብ ሰፈር ሶርያውያን ክኸዱ ተልዓሉ። ኣብ ወሰን ሰፈር ሶርያውያን ምስ በፅሑ ኸዓ፥ ኣብኡ ሰብ ኣይነበረን።
“ከመይ ኢለ ይቕረ ኽብለልኪ? ደቅኺ ጠለሙኒ፤ ኣማልኽቲ ብዘይኮኑ ኸዓ ይምሕሉ ኣለዉ፤ ኣፅገብክዎም፤ ንሳቶም ድማ ዘመዉ፤ ኣብ ቤት ኣመንዝራውን ተኣኻኸቡ።
ንጡበት በጊዕ ዝኣክል ኣብ ኢዳ እንተ ዘይረኸበት ግና፥ ክልተ ባሪቶ ወይ ክልተ ርግቢ፥ ሓንቲ ንዝቃፀል መስዋእቲ፥ ሓንቲ ኸዓ ምእንቲ ሓጢኣት እትስዋእ ተምፅእ። እቲ ኻህን ድማ ሓጢኣታ የስተስርየላ፤ ንሳ ኸዓ ኽትነፅህ እያ።
ልዕሊ ስሳ ዓመት ዝዕድመኣቶም፥ ንሰብኣይ ዓሰርተ ሓሙሽተ ሰቕሊ ብሩር፥ ንሰበይቲ ድማ ዓሰርተ ሰቕሊ ብሩር ይኹን።
እቲ ዝተመባፅዖ ንእግዚኣብሄር ክቐርብ ዝኽእል ካብ እንስሳ እንተ ኾይኑ፥ እቲ ንእግዚኣብሄር ዝተውሃበ ቅዱስ እዩ።
ንኽልተ ባሪቶ ወይ ንኽልተ ርግቢ ዝኸውን ዓቕሚ እንተ ዘይብሉ ግና፥ ስለ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ዝስውኦ፥ ዓስራይ ክፍሊ መስፈሪ ኢፍ ልሑም ሕሩጭ የምፅእ። ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ ስለ ዝኾነ ዘይቲ ኣየፍስሰሉ፤ ዕጣን እውን ኣይግበረሉ።
ንበጊዕ ዝኣክል ዓቕሚ እንተ ዘይብሉ ኸዓ ኽንዲ እቲ ዝገበሮ በደል ኽልተ ባሪቶ ወይ ክልተ ርግቢ፥ ሓንቲ ምእንቲ ሓጢኣት እትስዋእ፥ ሓንቲ ድማ ንዝቃፀል መስዋእቲ እትኸውን ንእግዚኣብሄር የቕርብ።
ድኻታትስ ዅልሻዕ ምሳኻትኩም ኣለዉ፤ ሰናይ ግብሪ ኽትገብሩሎም እንተ ደሊኹም ትኽእሉ ኢኹም። ንኣይ ግና ዅልሻዕ ኣይትረኽቡንን ኢኹም።
ንምሃብ ድልየት እንተ ደኣ ሃልዩ፥ እቲ ውህብቶ ቕቡል እዩ፤ እንተ ኾነ ኸም ዓቕሙ ደኣ እምበር፥ ልዕሊ ዓቕሙ ክኸውን የብሉን።