5 ካብ ሓሙሽተ ዓመት ክሳዕ ዕስራ ዓመት ዝዕድመኣቶም፥ ንወዲ ዕስራ ሰቕሊ ብሩር፥ ንጓል ድማ ዓሰርተ ሰቕሊ ብሩር ይኹን፤
እቶም ነጋዶ ሰብ ምድያም ክሓልፉ እንተለዉ፥ ንዮሴፍ ሒዞም ካብ ጕድጓድ ኣውፅእዎ፤ ብዕስራ ብሩርውን ንእስማኤላውያን ሸጥዎ፤ ንሳቶም ድማ ናብ ግብፂ ወሰድዎ።
ንሰበይቲ ሰላሳ ብሩር ይኽፈል።
ካብ ሓደ ወርሒ ኽሳዕ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድመኣቶም፥ ንወዲ ሓሙሽተ ሰቕሊ ብሩር፥ ንጓል ከዓ ሰለስተ ሰቕሊ ብሩር ይኹን።