2 ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦ ዝኾነ ሰብ፥ ቤዛ ነፍሱ ንእግዚኣብሄር ክህብ እንተ ተመባፅዐ፥ ንስኻ ኸም እትግምቶ ዋጋ እቲ ሰብ ይኸፍል። ከፊሉ ኽቢዘዎ እንተ ደለየ፥ ከምዝ ዝስዕብ ይኽፈል፦
እቶም ካህናት ነፍሲ ወከፎም ካብቲ ዝተኣከበ ይውሰዱ፥ ንዝፈረሰ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ይፀግንዎ” በሎም።
ብብዝሒ ስራሕ ሕልሚ ይረአ፤ ከምኡውን ድምፂ ሰነፍ ብብዝሒ ቓላት ይስማዕ።
እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦
ሽዑ ደቂ እስራኤል “ነዝ ህዝቢ እዙይ ኣብ ኢድና ኣሕሊፍካ እንተ ሂብካናስ፥ ንኸተማታቶም ሕርሚ ኢልና ኽንድምስሰን ኢና” ኢሎም ንእግዚኣብሄር መብፅዓ ተመባፅዑ።
“ሰበይቲ ድማ ብጊዜ ንእስነታ፥ ኣብ እንዳ ኣቦኣ እንተላ፥ ንእግዚኣብሄር ዝኾነ ነገር ክትህቦ እንተ ተመባፅዐት፥ ወይ ‘እዝ ነገር እዙይ ይትረፈኒ’ ብምባልውን እንተ ተመባፅዐት፥
ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ሰብኣይ ኮነ ሰበይቲ ናዝራዊ ክኸውን ንእግዚኣብሄር ክውፈ እንተ ተመባፅዐ፥
“ናብ ኣታኽልቲ ወይኒ ብፃይኩም እንተ ኣተኹም፥ ካብቲ ወይኒ ቓሕ፥ ከም ዝበለኩም፥ ክሳዕ እትፀግቡ ብልዑ፤ ብኣቕሓኹም ግና ኣይትውሰዱ።
እቲ ኽልተ ወርሒ ምስ መልአ፥ ናብ ኣቦኣ ተመለሰት፤ ከምቲ ተመባፂዕዎ ዝነበረ መብፅዓኡ ድማ ፈፀመ። ንሳ ሰብኣይ ዘይትፈልጥ ድንግል ነበረት።
“ኦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር! ውርደት ባርያኻ ኣፀቢቕካ ርኢኻ እንተ ዘከርካኒ፥ ንኣይ ንባርያኻ እውን እንተይረሳዕኻ ወዲ እንተ ደኣ ሂብካኒ፥ ኣነ ድማ ብዅሉ ዘመን ህይወቱ ንኣኻ ንእግዚኣብሄር ከገልግል ክውፍዮ እየ፤ ርእሱ ኸዓ ኸቶ ኣይላፀን እዩ” እናበለት ተመባፅዐት።
ስለዙይ ኣነ ድማ ንእግዚኣብሄር እህቦ ኣለኹ፤ ምሉእ ዕድሚኡ ንእግዚኣብሄር ተውሂቡ እዩ” በለት። ኣብኡ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ሰገዱ።